ሩስያ፣ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ንምምላስ ተበግሶ ክትወስድ ምዃና ገሊጻ

ሩስያ፣ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ንምምላስ ተበግሶ ክትወስድ ምዃና ገሊጻ

Radio Erena: February 19, 2014

Segre Lavrov

ሩስያ፣ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንምምላስ ተበግሶ ክትወስድ ምዃና ንመግለጺ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሰርጌ ላቭሮቭ ብምጥቃስ ሬድዮ ድምጺ ሩስያ ሓቢራ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ድሕሪ ምዝርራብ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍርቃ፣ ኣብ ጉዳይ ሶማልን ኣብ ጉዳይ’ቲ ኤርትራን ኢትዪጵያን ብምርኳር ከምዝዘተዩ ጠቒሱ።

 

ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ንምምላስ፣ ብሱዳን ቐጠርን ካልኦትን ተበግሶታት ክውሰድ ምዃኑ ክግለጽ እኳ እንተጸሐ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ግና፣ ዝኾነ ተበግሶ ከምዘይነበረ’ዩ ኣገንዚቡ።

ሕጂ’ውን ሩስያ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስታ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ንምፍታሕ ተበግሶ ክትወስድ ምዃና መግለጺ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኣ ብምጥቃስ እኳ እንተተገልጸ፣ ብኽልቲኦም መንግስታት ዝተዋህቦ መልሲ ግና የለን።

ቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ሩስያ፣ ነቲ ብኣመሪካ ሰዓብታን ዝዕብለል ውሳኔታት ናይቲ ባይቶ ብቀጻሊ ክትቓወም ዝጸንሐት ኮይና፣ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ካብ ብሃገራት ምዕራባዊ ዝወሃብ ውሳኔታት ዝያዳ ብሩስያን ቻይናን ንዝወሃብ ውሳኔታት ከምዝድግፍ’ዩ ዝንገረሉ።

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እገዳ ኣብ ዘጽደቐሉ እዋን’ውን ሩስያ ተወሳኺ መጽናዕቲ ክካየድ ብምጥላብ ተቓውሞኣ ኣስሚዓ’ያ። ይኹን’ምበር ነቲ እገዳ ካብ ምውሳኑ ይኹን ኣብ ግብሪ ካብ ምውዓሉ ደው ከተብሎ ኣይከኣለትን።

እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሩስያን ዝተኻየደ ርክብ’ውን ካብ ኣብ ዲፕሎማሲ ንላዕሊ ኣብቲ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ኣፍረቲ ንምስሓብ ዝጉስጉሰሉ ዘሎ ዕደና ብዝያዳ ዘተኮረ ምንባሩ ይግለጽ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0