ሩስያ፣ ካብ ሱዳን ወርቂ ብኮንትሮባንዳ ትሽምት ምህላዋ ሲኤንኤን ኣቃሊሑ

Radio Erena: 05 August 2022

ወትሃደራውያን መራሕቲ ሱዳንን ሩስያን፣ ዘይሕጋዊ ንግዲ ወርቂ ሱዳን የካይዱ ምህላዎም ሲኤንኤን ኣቃሊሑ።

እቲ ማዕከን ዜና፣ ንምንጭታቱ ካብታ ሃገር ብምውካስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ትሕቲ እገዳ ሃገራት ምዕራብ እትርከብ ሩስያ፣ ካብ ሱዳን ብኮንትሮባንዳ እትሽምቶ ዘላ ወርቂ፣ ንወጻኢታት ኵናት ዩክሬውን ትሽፍን ምህላዋ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 18 ኣዋርሕ፣ ሩስያ፣ ወርቂ ኣብ ምግዓዝ 16 በረራታት ናብ ሱዳን ምክያዳ’ዩ እቲ ምንጪ ሓቢሩ።

ኣብ 2021 ጥራይ ኣስታት 1.9 ቢልዮን ዶላር ዝግመት 32.7 ቶን ወርቂ ከምዝተጠፋፍአ ሃገራዊ ባንክ ሱዳን ጸብጻብ ከምዘለዎ ‘ዩ ተሓቢሩ።

እዚ ድማ ኣስታት 90% ሓፈሻዊ እቶት ወርቂ ሱዳን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ይሽየጥ ምህላዉ ዘነጽር ምዃኑ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ኣገንዚቡ።

ድሕሪ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ሱዳን ተቓውሞታት ከምዝተላዕ ዘመልከተ ሲኤንኤን፣ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ነዚ ሓበሬታ ኣልሒኹ ንዝተባህለ ሰብ ኣብ ምድላይ ተዋፊሮም ምህላዎም ገሊጹ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Well done, Russia is a friendly country. I do not like that our resources should be exploited by western countries.