ሩስያ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም ከምእትኽእል ሱዳን ገሊጻ

ሩስያ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም ከምእትኽእል ሱዳን ገሊጻ

Radio Erena: 14 January 2019

ሩስያ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም ከምእትኽእል ተሓቢሩ።

እዚ ዝሕበር ዘሎ፣ ሱዳን ሩስያን ዝበጽሖ ስምምዕ እማመ ምቛም ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዘሎ ፓርላማ እታ ሃገር ድሕሪ ዝሃቦ መግለጺ’ዩ።

ኣባል ኮሚተ ምክልኻልን ጸጥታን ኣብ ፓርላማ ሱዳን፣ ኣል ሓዲ ኣደም ሙሳ ምስ ማዕከን ዜና ስፑትኒክ ናይ ሩስያ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ስምምዕ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ ሱዳን፣ ከም ኩለን ሃገራት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፣ ገማግም ቀይሕ ባሕራ ንሩስያ ክትፈቕድ መሰል ከምዘለዋ ኣስሚርሉ።

እንተኾነ እቲ ብመልክዕ እማመ ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ኣብ ንድፊ ደኣ’ምበር ናብ ግብሪ ከምዘይተሰጋገረ ጠቒሱ።

መራኽብ ኵናት ሩስያ ናብ ሱዳን ክጽግዓ ንዘኽእል ስምምዕ ንድፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ሩስያ ዲሚትሪ ሜድቨደቭ ከምዝጽደቆ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር የረጋግጻ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል ብሽር፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክልተ እዋን ናብ ሩስያ ምብጻሕ ብምክያድ ኣብ ዕደና፣ ወፍሪን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝን ንግዲን ዘተኮረ ስምምዓት ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ምኽታሙ ኣይርሳዕን።

ድሕሪ’ቲ ስምምዕ፣ ሱዳን ተዳኺሙ ንዝጸንሐ ሓይሊ ኣየራ ንምብርባር፣ ነፈርቲ ውግእን ካልእ ኣጻርን ካብ ሩስያ ከምዝሸመተት ወትሃደራውያን ምንጭታት የረጋግጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0