ሩስያ፣ ኣብ ሱዳን ክትሃንጾ ዝመደበት መደበር ሓይሊ ባሕሪ ናብ ኤርትራ ከተሰጋገሮ ትህንጠ ምህላዋ ተሓቢሩ

Radio Erena:10 June 2021

ኣብ ሱዳን ክትሃንጾ ዝመደበት መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክዕወት ከምዘይክእል ኣብ መደምደምታ ዝበጽሐት ሩስያ፣ ናብ ኤርትራ ከተሰጋግሮ ከምእትኽእል ወትሃደራውያን ተንተንቲ ኣንፊቶም።

መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ሩስያ፣ ሪያ ኖቮስቲ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ሱዳን፣ ብዛዕባ’ቲ ክስረዝ ከምዝኽእል ዝተሓበረ መደብ ምህናጽ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ብዝምልከት ዝኣተወቶ ስምምዕ ዳግማይ ትዛተየሉ ከምዘላ ድሕሪ ምርግጋጹ’ዩ እዚ ትንታነታት ዝወሃብ ዘሎ።

ምስ ኣመሪካን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ሓድሽ ናይ ዝምድና መድረኽ እትርከብ ሱዳን፣ ኣቐዲሙ ስርዓት ኣል በሺር ኣብ 2017 ምስ ሩስያ ንዝኸተሞ ስምምዕ ምህናጽ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ዳግመ ግምት ክትገብረሉ ምዃና ኣፍሊጣ’ያ።

እቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ንረብሓ ሱዳን ብዘቐድም መልክዑ ዳግመ ግምት ክግበረሉ ምዃኑ፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን፣ ጀነራል መሓመድ ዖትማን ኣል ሑሰን ንማዕከናት ዜና ምሕባሩ ኣይርሳዕን።

ዛጊት ወግዓዊ መግለጺ ዘይሃበትሉ ሩስያ፣ እቲ ኣብ ሱዳን ዝነበራ መደብ ክስረዝ ከምዝኽእል ብምእማን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ መዓስከር ንምቛም ምስ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ክትዘራረብ ምዃና ይግለጽ ኣሎ።

ሩስያ፣ ኣብ እዋን ሕብረት ሶቬት፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበራ ጽልዋ ንምምላስ ዝከኣላ ትጽዕር ከምዘላ ዝሓበረት ጋዜጣና ዘ ሞስኮ ታይምስ ብወገና፣ ምስዘን ሃገራት ኣብ ወትሃደራዊ፣ ወፍሪ፣ ፋይናንስን ዕደናን ዘተኮረ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ከምዘለዋ ኣነጺራ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ሩስያን ግን ብወግዒ ዝተገልጸ ገዚፍ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ኣይጸንሐን።

ብጉዳይ’ቲ ‘ዘይሕጋዊ’ዩ’ ዝብሃል፣ ምኽፋል 2 ካብ ሚእቲ ኣብ ስደት ካብ ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ድሕሪ ዝገበራሉ ጸቕጢ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብስም ባንክ ኣባይቲ፣ ብመንግስቲ ሩስያ ኣብ ዝውነን፣ ጋዝፕሮም ባንክ ሕሳብ ብምኽፋት፣ ገንዘቡ ናብታ ሃገር ከግዕዝ ምጽንሑ ይፍለጥ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0