ሩስያ፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢሩዎ ዘሎ እገዳ ከልዕሎ ጸዊዓ

ሩስያ፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢሩዎ ዘሎ እገዳ ከልዕሎ ጸዊዓ

Radio Erena: 03 September 2018

 eri and russia fm.JPGሩስያ፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢሩዎ ዘሎ እገዳ ከልዕሎ ጸዊዓ።

 

ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሩስያ ድሕሪ ዘካየዱዎ ናይ ስራሕ ምብጻሕ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዶባዊ ግጭት ብሰላም ስለዝዓረፈ፣ ባይቶ ጸጥታ ነቲ ማዕቀብ ከልዕሎ ጸዊዑ።

 

 

 

 

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ብዕለት 31 ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እውን፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ግጭት ንምፍታሕ ሩስያ ናታ ተራ ተጻዊታ’ያ ድሕሪ ምባል፣ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ንክዝትዩ ሩስያ ባይታ ከተጣጥሕ ኣብ 2013 እማመ ኣቕሪባ ከምዝነበረት ኣዘኻኺሩ።

 

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝጀመረቶ ዕርቀ ሰላም ሩስያ ከምእትድግፎ ዝገለጸ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፣ ምስ ጂቡቲ ዘለዋ ምስሕሓብ እውን ብዘተ ሰላማዊ ፍታሕ ክትረኽበሉ ሩስያ ሓገዛ ከተበርክት ምዃና ገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0