ሩስያውያን ነብሰጾራት ዜግነት ንምርካብ ናብ ኣርጀንቲና ይጓዓዛ

Radio Erena: 17 February 2023

ድሕሪ ምጅማር ኲናት ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ኣዋርሕ ጥራይ፡ልዕሊ 5000 ሩስያውያን ነብሰጾራት ዜግነት ንምርካብ ናብ ኣርጀንቲና ከም ዝተጓዕዛ ሰበ ስልጣን ናይታ ሃገር ሓቢሮም።

ብሓሙስ 9 ለካቲት 33 ነብሰጾራት ብሓደ መዓልቲ ናብታ ሃገር ድሕሪ ምእታወን ትኹረት ዝረኸበ እቲ ጉዳይ፡እተን ኣዴታት ካብ ሃገረን ሃዲመን ኣብ ኣርጀንቲና ብምውላድ፡ዜግነት ንኽረኽባ ይጽዕራ ምህላወን ይንገር።

እተን ኣዴታት ንነቲሕ ግዜ ክጸንሓ መዲበን ክንሰን ቱሪስት ኢና ናብታ ሃገር ክኣትዋ ኣብ ዝፈተናሉ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንሓጺር ግዜ ድሕሪ ምቕያደን ብፖሊስ ንዝቐረበለን ሕቶታት፡ናብታ ሃገር ዜግነት ንምርካብ ከም ዝመጻን፡ከምኡ ውሳነ ዘውሰደን ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ኣርጀንቲና ፓስፖርት ልዕሊ ናይ ሩስያ ናይ ምንቅስቓስ ናጽነት ስለ ዝህብ ምዃኑ እውን መሊሰን።

ቤት ፍርዲ ኣርጀንቲና እዘን ነብሰጾራት ዝፈጸሞ ገበን ስለ ዘየለ፡ካብ ቤት ማእሰርቲ ብነጻ ክልቀቓ ብዝወሰኖ መሰረት ብነጻ ክልቀቓ ክኢለን።

ድሕሪ ኲናት ዩክሬይን ብዝተፈጥረ ዲፕሎማስያዊ ውጥረት፡ናይ ሩስያ ፓስፖርት ምሓዝ ናብ 87 ሃገራት ብዘይ ቪዛ ናይ ምብጻሕ ዕድል ክህልዎ እንከሎ፡ብኣንጻሩ ናይ ኣርጀንቲና ፓስፖርት ናብ 171 ሃገራት ብዘይ ቪዛ ክትጎዓዝ የኽእል።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0