ሞውሪሸስ፣ ዘጋጠመ ሓደጋ ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ፣ ክሊ ማያት በኪሉ

Radio Erena: 12 August 2020

ካብ ቻይና ተበጊሳ ናብ ብራዚል ትጓዓዝ ነበረት ናይ ጃፓን ናይ ጽዕነት መርከብ ኣብ ከባቢ ሞውሪሸስ ምስ ኮራል ከምዝተጋጨወት ተገሊጹ።

እታ መርከብ ብ25 ሓምለ ምስ ኮራል ድሕሪ ምግጫዋ ብዝተፈጥረ ነቓዕ፣ ጽዒናቶ ካብ ዝነበረት ኣስታት 4 ሽሕ ቶን ነዳዲ፣ እቲ ሓደ ሽሕ ልሒኹ ናብ ባሕሪ ፈሲሱ ኣከባቢ ይብክል ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ማያት ሲሸልስ ብዝተፈላለዩ ኮራላትን ዓሳታትን ዝወቀበ መስሕብ በጻሕቲ ብምንባሩ እቲ ዝለሓኸ ነዳዲ ብከላ ኣብ ልዕሊ ምስዓቡ ድሮ ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ተሃስዩ ንዘሎ ንኢዱስትሪ ትሩዝም እታ ሃገር’ውን ከዳኽሞ ከምዝኽእል ተገሊጹ።

እታ መርከብ ካብ ቀንዲ መስመር ወጺኣ ብከመይ ናብ ማያት ሞሪሸስ ከምዝተጸግዐትን ነቲ ሓደጋ ከተውርድ ከምዝኸኣለትን ገና ክፍለጥ ኣይተኻእለን።

እቲ ካብታ መርከብ ብዝለሓዂ ነዳዲ ጉድኣት ወሪድዎ ዘሎ ገማግም ሓደ ካብ ተፈጥሮኣዊ ሃብትታ ዓለም ተባሂሉ ብዩኔስኮ ዝተሓዝአ ቦታ እዩ ኔሩ።

ደሴት ሞውሪሸስ፣ ኣብ ህንዳዊ ቅውያኖስ እትርከብ ንእሽቶ ኣፍሪቃዊት ሃገር’ያ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0