“ሞት ዜጋታት ከትርፍን ሕጊ ከኽብርን ዘይክእል ፓርላማ ይኹን መንግስቲ እንታይ ይዓብስ?” ምክትል ኣፈኛ ፓርላማ ኢትዮጵያ

Radio Erena: 03 November 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ምዕራብ ወለጋ፣ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጸመ ቅትለት፣ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ሓያል ቁጠዐ ከምዝፈጠረ ተገሊጹ።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ብ3 ሕዳር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት፣ ተደጋጋሚን ተመሳሳሊን ቅትለታት እናተፈጸመ፣ ዝኾነ ስጉምቲ ክውሰድ ዘይምኽኣሉ ዘለዎም ምረት ከምዝገለጹ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሞት ዜጋታት ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ምህላው ዘመልከተ እቲ ቤት ምኽሪ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ቅትለት ተፈጺሙ፣ ወልሓደ ነገር ከምዘይተፈጸመ ይርሳዕ ብምህላዉ፣ ኢትዮጵያ ሓደ ዝሞተላ ሓደ ድማ ዝነብረላ ሃገር ኮይና ኣላ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

“ሞት ዜጋታት ከትርፍን ሕጊ ከኽብርን ዘይክእል ፓርላማ ይኹን መንግስቲ እንታይ ይዓብስ?” ዝበለት ምክትል ኣፈኛ ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ወ/ሮ ሽታየ ምናለ ብወገና፣ “ዝወከለኒ ህዝቢ ይመውት ኣሎ፣ ለውጢ ክጅምር እንከሎ ዝነበረኒ ተስፋ ሕጂ የለን” ብምባል ብምረት ገሊጻ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ብዝተጎሃሃረ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ኣማኢት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም’ዮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ብሄር ዝውለዱ ዜጋታት፣ ኣብ ሓደ ከባቢ ክነብሩላ ዘይክእሉ ሃገር ኮይና ምህላዋ ዝተፈላለዩ ወገናት ይጠቕሱ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ መንጎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናብ ጥርዚ በጺሑ ዘሎ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ሕብረት ኤውሮጳ ዝርከቦም ሓያሎ ሃገራትን ውድባትን ናይ ሽምግልና ተበግሶታት ንምውሳድ ይሰርሓ ከምዘለዋ ዲፕሎማሰኛታት ኣተንቢሆም።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ሒጂ ድክተር ኣብይ ን ሩሱ ኪከልከል ጻዊዕት ዘቅርብ ደሎ እበር ፡ኣቀዲሞ ምስ ይሕዋቱ ኤትዮፕያውያን፡ ብዘሪርብ ኪፈትሖ ይኻለ ነሩ ናይ ሰላም ሰብ እተዝኸዉን ን ህዝቢ ትግራይ ጎንዩ ምስ ውልቅ ማላኺ ኢስያስ ኮኑ ወያነ ዚሰርሕዎ ፖርጀክት ከምርቅ ከሎ እታይ ትብሎ ኩሉ ፋብሪካ ኣባይ ግደብ ኢስያስ ብ ንፋስ ክፈርስ እዩ ኢሉ ይስትናቆ ነሩ ሕጂ ሓንቱ እምኒ ዘይቅምጥሉ፡ ነቶም ኣብ ሲራሕ ዝዋዕሉ ጎንዩ ሚስ ዓድሓገር ኮኑ መገዛ ሃገሮም ክጎንዮም ከሎ። ረርግጽዎም ይኸይድ ነሩ። ኣዲኣ ገድፋ ሓትና ትናፍቅ ዝዕይንቱ ነሩ ሕጁ ወያን ግርም ከማን ተዕጊሶም ጸኒሖም
    ኣምላኽ ዲል ይሃቦም 4ኪሎ ክብጽሑ ኢስያስ ከኣ ኪቅረጽ