ምፍራስ ኣባይቲ ይቕጽል፣ ብዘይመጽለሊ ዝተረፉ ነበርቲ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ድማ ናብ ስድራቤታቶምን ኣዝማዶምን ይዕቖቡ

ምፍራስ ኣባይቲ ይቕጽል፣ ብዘይመጽለሊ ዝተረፉ ነበርቲ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ድማ ናብ ስድራቤታቶምን ኣዝማዶምን ይዕቖቡ

Radio Erena : 18 March 2015

Adi keyhh

ምፍራስ ኣባይቲ ዓዲ ቀይሕ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ 10ታት ስድራቤታት ብዘይዝኾነ መጽለሊ ብምትራፎም ናብ ቤተሰብን ኣዝማድን ክዕቖቡ ተገዲዶም ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ናብ ሰንበት 15 መጋቢት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ብዶዘራት ዝተሰነዩ ኣባላት ሰራዊት ኣብ እንዳ ኣቡነተኽለ ንዝርከብ ሓያሎ መንበሪ ኣባይቲ ከዕንዉ እንከለዉ፣ ብሰኑይ 16 መጋቢት ከኣ ካምቦ ናብ ዝተባህለ ከባቢት ብምምራሕ ነቲ ናይ ምፍራስ መስርሕ ቀጺሎሞ።

ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኣብ ውሽጢ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ብምውዋፍር ናብታ ከተማ ዘእቱን ዘውጽእን መንገድታት ኬላታት ብሙቛም፣ ምንቕስቓስ ህዝቢ ከምዝደረትዎ ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

 

ድሕሪ’ቲ ብ5 መጋቢት ኣብታ ከተማ ዝጀመረ ምፍራስ ኣባይትን ህዝቢ ዘርኣዮ ተቓውሞን እቲ መስርሕ ምዕናይ ን10 መዓልታት ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ብሓያል ጸቕጥን ሓለዋን ብሰንበትን ሰኑይን ቀጺሉ።

ኣብ ከቢድ ወጥሪ ዝጸንሐ ህዝቢ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ነቲ ናይ ሰንበትን ሰኑይን ፍጻሜ ኣብ ገገዝኡ ብምዃኑ’ዩ ብከቢድ ሓዘን ተኸታቲልዎ።

እቲ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ መስርሕ ናብ ሰገነይትን ሰንዓፈን ይልሕም ምህላዉ’ውን ምንጭታትና የመልክቱ።

ህዝቢ ኣብቲ ብሕጊ ዝተዋህቦ መሬት’ውን እንተኾነ ኣባይቲ ከይሃንጽ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይርዱእ ምኽንያት ከልኪልዎ ከምዘለዎ ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ ህዝቢ መንበሪ ኣባይቲ ጨኒቕዎ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ነዚ ብዘይርድኡ ምኽንያት ኣባይቲ ከይሀንጽ ዝኽልክል ኣዋጅ መንግስቲ ብምጥሓስ መጽለሊ ዝኾኖ ኣባይቲ ክሃንጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ገሊኡ ድማ እቲ ዓቕሚ ዝሓጸሮ ህዝቢ ነቲ ብሕጊ ዝተዋህቦ ናይ ጤሳ መሬት ብፍርቂ እናሸጠ መንበሪ ኣባይቲ እናሃነጸ ናብርኡ ክቕጽል ጻዕርታት የካይድ።

ኣብ ኤርትራ፣ ሓደ ካብቲ ዝኸበደ ጸገም መነባብሮ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ መንበሪ ኣባይቲ ክነሱ፣ ህግደፍ ነቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱን እሙናት ካድራቱን ኣብ ኣስመራን ካልእ ከተማታት ኤርትራን ዝነበረን ሓድሽ ዝተሃንጸን ቪላታታ ድሕሪ ምዕዳልን፣ ንጸገም ህዝቢ ጸማም እዝኒ ሂብዎ ይርከብ።

ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ደገፍቱ’ውን ቪላን ኣፓርትመንትን ዘጠቓለለ ኣባይቲ እናሰርሐ ብዶላርን ኤውሮን ክሸጠሎም እንከሎ፣ እቲ ደቁን ዝበዝሑ ኣባልት ስድርኡን ኣብ ሃገራዊት ኣገልግሎትን ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርና ተታሒዞም ዘለዉ ዝበዝሐ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ርእሱ ዘጽልለላ ቤት ሓሪማቶ ግዳይ ዝተፈላለየ ግፍዕታት ፖሊሲ ናይቲ ስርዓት ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0