‘ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክውሰድ ዘለዎ ቀዳማይ ስጉምቲ’ዩ።’ ሚ/ጉ ወጻኢ ኣመሪካ

Radio Erena: 28 February 2021

ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን፣ ካብ ትግራይ ብዝቐልጠፈ ክወጹ፣ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ደጊሙ ጸዊዑ።

ጸሓፊ እቲ ክፍሊ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ብ27 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ትግራይ፣ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ንዝተፈጸመ፣ ኣብ ብሄር ዘተኮረ መጥቃዕቲ፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ከበድቲ ገበናት ብምዅናን፣ ኣመሪካ፣ ህጹጽ ረዲኤት ንኽኣቱን ዝተፈጸመ ገበናት ንኽጻረን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝዘተየት ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣህጉራውያን ትካላት ረዲኤት ናብ ትግራይ ክኣትዋ ክፈቅድ ደጊሙ ዝተማሕጸነ እቲ ጸሓፊ፣ ብዛዕባ ዝወረደ ዕንወት ገምጋም ንምክያድ፣ ልኡኽ ኣመሪካዊ ትካል ረዲኤት- USAID ናብቲ ክልል ክኣቱ ምዃኑ ጠቒሱ።

ናብ ትግራይ ህጹጽ ረድኤት ንምብጻሕ ይኹን ንዝተፈጸመ ገበናት ብናጻ ኣካል ንምጽራይ፣ ብዝቐልጠፈ ክውሰድ ዘለዎ ቀዳማይ ስጉምቲ፣ ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ምውጽእ ምዃኑ ድማ ኣስሚርሉ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ትግራይ ዓሌት ናይ ምጽናት ገበናት ተፈጺሙ’ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዋ ኣቐዲሙ ክቃላሕ ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ድማ፣ ድሕሪ’ቲ ሰራዊት ኤርትራን ኢትይጵያን፣ ኣብ ኣኽሱም ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ፈጺሞሞ ዝብሃል ዘሎ ጃምላዊ ህልቂት’ዩ።

እዚ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዘሎ ህልቂትን ገና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወረድ ዘሎ ገበናትን፣ ንኤርትራን ኢትይጵያን ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ብቀደሙ’ውን ርግኣት ዘይጸንሖ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝበኣሰ ሓደገኛ ኩነት ከማዕብሎ ምዃኑ ተንተንቲ የጠንቅቑ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Yirgalem 3 years ago

    ኤርትራዉት እየ ኣብ ትግራይ ኮይና ኣብ መቀለ ሓፍተይ ካብ ኤርትራ ከም ዛአተዉ እንታይ ከንገብር ዓቅልና ጸቢቡና ደቅና ብ ኢድ የሕዋትና ይሞቱ ኣለዉ ኢላትኒ ! ብርግጺ አቶም ስራዊት ኣብ ማስመድያ ን ራኦም ዘለና እዉን ኤርትራዊያን እዮም !!ብቅልጡፍ ነዚ ስለማዊ ተቀባሊ ጋሻ ትግራዋይ ዓዱ ገዲፎም ክወጽሉ ኣለዎም !!!🙏😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭