ምወላ ንልምዓት ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ ንእትርከበ ኣርባዕተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ፕሮጀክት ጸዓት በረኻ ዝውዕል 5.5 ሚልዮን ዶላር መዊሉ

Radio Erena: 12 April 2022

ምወላ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ ንእትርከበ ኣርባዕተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ፕሮጀክት ጸዓት በረኻ ዝውዕል 5.5 ሚልዮን ዶላር ከምዝውል ኣፍሊጡ።

እቲ ኣካል ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ዝኾነ ትካል፣ ነቲ ብስም ‘ዞባዊ ናይ ጸዓት ፕሮጀክት ምብራቕ ኣፍሪቃ’ ዝመወሎ ብዝያዳ ኣብ ቴክኒካዊ ሓገዝ ከምዝውዕል ዝተሓበረ ገንዘብ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ጂቡቲን ተረባሕቲ ክኾና’የን።

እዘን ሃገራት፣ ብጸዓትን ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲን፣ ድሕሪት ካብ ዝተረፋ ሃገራት ዓለም ምዃነ ጸብጻብ ባንክ ዓለም የመልክት።

ምወላ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ናይ 10 ጂጋ ዋት ሓይሊ ጸዓት ብምምንጫው፣ ኣብ ቅናት ሳሕለ-ሰሓራ ዝርከባ 11 ሃገራት ናይዛ ኣህጉር ዝርከቡ ኣስታት 250 ሚልዮን ህዝብታት ኤሌክትሪሲቲ ንኽረክብ ፕሮጀክት ሓንጺጹ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ 1974 ኣብ ቱኒዝያ ዝተመስረተ ምወላ ንልምዓት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ከቢድ ድኽነት ንዝረከባ ሃገራት ናይዛ ኣህጉር፣ ኣብ መሰረታዊ ምዕባለን ቴክኒካዊ ሓገዝን ዘተኮረ፣ ስማዊ ወለድ ዘለዎ ልቃሕን ምወላን ይገብር።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0