ምብራቕ ሱዳን፣ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክናዋሕ ፕረዚደንት በሺር እማመ ኣቕሪቡ

ምብራቕ ሱዳን፣ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክናዋሕ ፕረዚደንት በሺር እማመ ኣቕሪቡ

Radio Erena: 12 July 2018

beshir2ፕረዚደንት ኣል በሺር፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ምብራቕ ሱዳን ዝተኣወጀ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክናዋሕ ንባይቶን ኣመሓደርትን እማመ ኣቕሪቡ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ እማመ ዘቕረበ፣ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ግብሪ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣብ ዘብቅዓሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

መንግስቲ ሱዳን ካብ ኤርትራ ወትሃደራውን ቁጠባውን ተጻብኦታት የስጋኒ’ዩ ብዝብል ምኽንያት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ብምእዋጅ ምስ ኤርትራ ዘዳውቦ ከባቢታት ከምዝዓጸወን ሰራዊት ከምዘዋፈረሉን ይዝከር።

ኣብቲ ዞባ ተዋፊሩ ዘሎ ብዝሒ ሰራዊት ኣብ ነዳድን ካልእ ቁጠባዊ መነባብሮን እቲ ህዝቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ስለዘለዎ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክልዓለ’ዩ ህዝቢ ምብራቕ ሱዳን ክሓትት ጸኒሑ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዛሕቲሉ ዝርከብ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ዝብል ሓሳብ ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ብ28 ሰነ ከምዝተዘራረበ ሱዳን ትሪቡን ኣቐዲሙ ገሊጹ’ዩ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0