ምብራቕ ሱዳን፣ ብሰንኪ ቀቢላዊ ግጭት ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 21 November 2019

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ፖርት ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ቤን ዓሚርን ሃዳንደዋን ብዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ክሞቱ ከለዉ 24 ድማ ከም ዝቖሰሉ ማሕበር ሓካይም እታ ሃገር ገሊጹ።

ድሕሪ’ቲ ብ18 ሕዳር ዝተወልዐ ግጭት፣ ኣብቲ ዞባ ሰዓታት እቶ እቶ ክእወጅ እንከሎ፣ ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን ናብቲ ከባቢ ከምዝተላእከ ፖሊስ ሱዳን ኣረጋጊጹ።

እቲ ግጭት፣ ኣሚን ዳውድ ዝተባሃለ ካብ ዓበይቲ ዓዲ ቀቢላ ቢን ዓምር ንዘካየዶ ጎስጓስ ካብ ቀቢላ ሃደንደዋ ድሕሪ ዝገጠሞ ተቓውሞ ከምዝተወልዐ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ሃደንዳዋ፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዓብላሊ ቀቢላ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ፖርት ሱዳን፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይዚ ዓመት እዚ፣ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ቢንዓምርን ኣል ኑባን ተመሳሳሊ ግጭት ተኸሲቱ ምንባሩ ይዝከር።

ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ ነበር ጀነራል ቓስም ዓብደል ፈረጅን ሓላፊ ጸጥታኡን፣ ነቲ ግጭት ንምቑጽጻር ቅልጡፍ ስጉምቲ ኣይወሰድኩምን ተባሂሎም ካብ መዝነቶም ከም ዝተኣልዩ ኣይርሳዕን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0