ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤም.ቲ.ኤን ኩቤካ ዝጸንሑ ክልተ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ብሽክለታ ተሰናቢቶም

ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤም.ቲ.ኤን ኩቤካ ዝጸንሑ ክልተ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ብሽክለታ ተሰናቢቶም

Radio Erena: 22 August, 2014

Meron and Jani

ንልዕሊ ክልተ ዓመት ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤም.ቲኤ.ን. ኩቤካ ኮይኖም ክወዳደሩ ዝጸንሑ፡ ኤርትራውያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ሜሮን ርእሶምን ጃኒ ተወልደን፡ ካብ’ታ ጋንታ ከምዝተሰናበቱ፡ ዳይረክተር ስፖርት እታ ክለብ ጀንስ ዘምከ፡ ምስ መርበብ ሓበሬታ ሳይክሊንግ-ኮትስ (Cycling Quotes) ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ።

ሚስተር ዘምከ ምኽንያት መፋነዊ ናይ’ዞም ክልተ ተቐዳደምቲ ክገለጽ ከሎ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ኣትሒዙ ዝኾነ ውድድር ዘየካየደ ጃኒ ተወልደ፡ ብተደጋጋሚ ናብ ኤርትራ ከምዝተመላለሰን ክስለፈሉ ኣብ ዝግባእ ቅድድማት ከኣ ኣይተረኽበን።

 

ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2014 ኣትሒዙ ኣብ ኮረሻ ብሽክለታ ዘይተወጥሐ ሜሮን ርእሶም ብወገኑ፡ ውላዱ ስለዝሓመመቶ ንኽከታተላ፡ ብጋንትኡ ፍቓድ ተዋሂብዎ ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምምርሑ፡ ዶንግዩ ዝተመልሰ ክኸውን ከሎ፡ ብድሕሪኡ’ውን ወይ ጉዳይ ስድርኡ ክገበር ወይ ድማ ስሩዕ ውድድሩ ክቕጽል ዝብል ክልተ ምርጫ ከምዝተዋህቦን፡ ስድርኡ ክኣሊ ከኣ ከምዝሓረየን እቲ ዳይረክተር ስፖርት ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ማእከል ብብዝሒ ደገፍቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ “ቢን ላደን” ብዝብል ቅጽል ስም ዝልለ ሜሮን ርእሶም ሻምፕዮን ዞባ ማእከል 2009ን ጎብለል ዙር ኤርትራ 2011ን ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ምውጻእ ሜሮንን ጃኒን ካብ ክለብ ኤም.ቲኤ.ን. ኩቤካ ንቁጽሪ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ’ታ ጋንታ ካብ 5 ናብ 3 ኣውሪድዎ ኣሎ።

ኣባላት እታ ጋንታ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ መርሃዊ ቅዱስን ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን፡ ካብ ጽባሕ ቀዳም 23 ነሓሰ ጀሚሩ ን21 መድረኻት ኣብ ዝቕጽል ዝዓበየ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ግራንድ ቱር ቮልታ ስጳኛ ክቀዳደሙ ምዃኖም ዝተረጋገጸ ክኸውን ከሎ፡ ወዲ ጋንትኦም ፍረቃልሲ ደበሳይ ከኣ፡ ቅድሚ ገለ እዋን ኣብ ውድድር ብሰንኪ ዘጋጠሞ ማህሰይቲ ካብ ውድድር የዕሪፉ እዩ ዘሎ።

ተቐዳዳማይ ፈረንሳዊት ክለብ ዩሮፕካር ናትናኤል ብርሃነ’ውን ኣብ ውድድር ቮልታ ስጳኛ ክወዳደር ምዃኑ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ እዩ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0