“ምስ ኤርትራ ጽቡቕ ዝምድና’ዩ ዘሎና” ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ኤርትራ

Radio Erena: 18 December 2019

ሽውደን ብሰንኪ እቲ ድርብ ዜግነት ዘለዎን ኣብ ኤርትራ ካብ ዝእሰር ኣስታት 18 ዓመታት ኣቑጺሩ ዘሎ ጋዜጠኛን ደራስን ዳዊት ይስሓቕ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምስሕሓብ ከም እትርከብ’ዩ ብተደጋጋሚ ዝግለጽ።

ብ11 ታሕሳስ ወከልቲ ሰልፍታት ሽወደን፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ዝተረኽቡሉ ዘተ ፓርላማ፣ ዳዊት ኢሳቕ ክፍታሕ መንግስቶም ግብራዊ ጻዕሪ ከርኢ ምጽውዖም ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

መንግስቲ ሽወደን ንጉዳይ ዳዊትን ካልእን ንምፍታሕ ዘካየዶ ጻዕሪ ዝሕቱልን ፍረኣልቦን ምዃኑ ብቀጻሊ ዝንቐፈሉ ጉዳይ’ዩ።

ኣብቲ ኣብ ናይ ፓርላማ ዘተ ዝተረኽበ ተንቅሳቓሲ ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ኤርትራ ስቫንተ ሊንድግረን፣ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መብርሂ፣ ሽወደን ኣብ ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ምስ መንግስቲ ኤርትራ እትኽተሎ ኣታሕዛ፣ ሰላሕታዊ ዲፕሎማሲ’ዩ ዝብልዎ ኣለዉ። መንግስቲ ሽወደን ባዕሉ ዘጠመቆ ስልቲ ዲፕሎማሲ ኣይኮነን። ካልኦት ሰባት ዝበልዎ’ዩ። መንግስቲ ሽወደን ካልእ ነገራት ኣይገብርን’ዩ ዘሎ ማለት’ውን ኣይኮነን። ክብል መሊሱ።

እቲ ኣምባሳደር ብተወሳኺ፣ ምስ ኤርትራ ጽቡቕ ዝምድና ኣሎና ድሕሪ ምባል፣ ውጽኢታዊ ዝኾነ ዘተ ነካይድ፣ ንክልትኣዊ ረብሓታት ዘገድሱ ጉዳያት’ውን ንመያየጥ ኢሉ።

ሽወደን ብሰንኪ ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዋ ዲፕሎማሲ ዝሕቱሊን፣ ክልቲኤን ሃገራት ክሳብ ቀዋሚ ኣምባሳደር ናብ ዘይልእካሉ ደረጃ ዝምድና ምውራዱ’ዩ ዝንገረሉ።

ሽውደን፣ ኣብ ኤርትራ ተንቀሳቓሲ ኣምባሳደር ጥራይ ክትምዝዝ እንከላ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ኣብ ሽወደን ኣምባሳደር ከምዘይብሉን ብፈጻሚ ጉዳያት ጥራይ ከምዝውከልን ይፍለጥ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0