ምስ ሶማል ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ብዝተፈንጀረ ነታጕ 10 ፖሊስ ኬንያ ተቐቲሎም

Radio Erena: 16 October 2019

ምስ ሶማል ኣብ ዘዳውብ ምብራቓዊ ክፋል ኬንያ ኣብ ዝርከብ ዞባ ጋሪሳ፣ ነታጕ ብምጽዋድ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 10 ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ከምዝተቐትሉ ጸብጻብ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ።

ኣብ ሓላዋ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ መኪና፣ ነቲ ኣቐዲሙ ከምዝተቐብረ ምዃኑ ዝተገምተ ነታጕ ረጊጻ ድሕሪ ምፍንጃሩ፣ ሓያሎ ኣባልት ፖሊስ ኬንያ ከምዝሞቱ ኣዛዚ ፖሊስ ኬንያ ሂላሪ ሙትያምባይ ኣረጋጊጹ።

ኣልሸባብ ናይቲ ኣብዚ ራብዕቲ’ዚ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት እኳ እንተዘይወሰደ፣ ፖሊስ ኬንያ ግና ነቲ ጉጅለ’ዩ ዝኸስስ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት’ዚ፣ ኣብቲ ዞባ ብዝተኻየደ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 8 ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ተቐቲሎም’ዮም።

ኣልሸባብ ኣብቲ ከባቢ ተደጋጋሚ እዋናት መጥቓዕቲ ከምዘካይድ ይግለጽ።

ብኻልእ ወገን፣ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቓድሾ ናይ ሞርታር ደብዳብ ከምዝተኻየዶ ንዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ብምጥቃስ ሮይተስ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብ13 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ብውሕዱ 6 ሰባት ቆሲሎም።

ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ፣ ኤምባሲታትን ላዕለዋት ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራትን ከምዝነብሩ ይፍለጥ።

ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እኳ እንተዘየለ፣ ኣንጻር ሕብረት ኣፍሪቃን መንግስቲ ሶማልን ዝቃለስ ዘሎ ኣልሸባብ፣ ከምዝፈጸሞ ይውቀስ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝካየድ ዘሎ፣ ኣመሪካ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሶማል፣ መራሕቲ ኣልሸባብ ንምህዳን ናይ ነፈርቲን ሰብ ኣልብኖ በረርቲ ደብዳባት ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0