‘ምስ ህወሓት ተጀሚሩ ዝተባህለ ዝርርብ ሓሶት’ዩ።’ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ

Radio Erena: 14 June 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ዝርርብ ጀሚሩ ኣሎ እናተባህለ ዝጋዋሕ ዘሎ ወረ፣ ሓሶት’ዩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊጹ።

ንሱ፣ ኣብቲ ብ14 ሰነ ንፓርላማ ሃገሩ ዘስምዖ መደረ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ዝወሰዶ ተበግሶ፣ ህወሓት ብብዝሒ ዓቕሚ ሰብ ብምስላፍ፣ ወትሃድራዊ ሓይሊ ሚዛን ንምልዋጥ ክሳብ ማእከል ሃገር ድሕሪ ምምጽኡ፣ እቲ ዕድል ከምዝባኸነ ኣረዲኡ።

ክሳብ ሕጂ ዝተጀመረ ዝርርብ እኳ እንተዘየለ፣ ሰላም ንምርግጋጽ ዝሕግዝን ንዝርርብ ዘገድሱ ጉዳያትን እተጽንዕ ኮሚተ ቆይማ ከምዘላ ግና እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይከሓደን።

መንግስቲ ምስ ህወሓት ዝርርብ ኣብ ዝጅመረሉ ግዜ ድማ ንህዝቢ ብወግዒ ክሕበር ምዃኑ ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ።

ብቋንቋ ፈረንሳ እትሕተም፣ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ጋዜጣታት ዓለም ዝኾነት ለሞንድ፣ ስሞም ንዘይገለጸቶም ምንጭታት ብምጥቃስ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፣ ኣብ ታንዛንያ፣ ከተማ ኣሩሻ ዝርርብ ከካይዱ ምዃኖም ሓቢራ ኔራ።

ሓደ ካብቲ ንዝርርብ ዝዓደመ ኣውራ ምኽንያታት ድማ፣ ህወሓት ሕቶ ምዕራብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ጉዳይ ወልቃይት ከይልዓል ስለዝተሰማምዐ’ዩ ዝብል ይርከቦ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ናይ ጋዜጣ ለ ሞንድ ጸብጻብ ሓቕነት የብሉን ድሕሪ ምባል፣ ኩሉ ‘ቲ ብሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ተታሒዙ ኣሎ ዝበሎ ከባቢታት ትግራይ፣ እንተስ ብዘተ ንሰላም እንተስ ብሓይሊ ናጻ ንምውጽኡ ቃልሱ ክቕጽል ምዃኑ ኣስሚርሉ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Eritrea fore ever president eseyas afwerqi and my people