ምስራሕ መንገዲ ባቡር ኢትዮጵያ-ጂቡቲ ደው ኢሉ

Radio Erena: 15 May 2022
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ንምስራሕ መስመር መንገዲ ባቡር ብዝምልከት ዝተኻየደ ስምምዕ፣ ዕንቅፋት ኣጋጢሙዎ ደው ኢሉ ከምዘሎ፣ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣቃሊሐን።
እቲ ምስራሕ መንገዲ ባቡር ብወገን ጂቡቲ ደው ዝበለሉ ምኽኒያት፣ ኢትዮጵያ ንዝመጽእ 15 ዓመታት፣ ወደብ ጂቡቲ ጥራይ ክትጥቀም ከምዝኾነት ብፊርማ ከተረጋግጽ ኣለዋ ዝብል ጠለብ ብወገን ጂቡቲ ስለዝቕረበ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ነቲ መስመር ባቡር ክሰርሕ ዝተወዓዓለ ቻይናዊ ትካል ሲቪል ኢንጂነሪንግ ኮርፖረሽን፣ ናይ ነዳዲ ዲፖ’ውን ኣብ ወደብ ጂቡቲ ክሃንጽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስምምዕ ፈሪሙ እዩ።
ሰብ መዚ ነዳዲን ጸዓትን ኢትዮጵያ ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ብወገን ኢትዮጵያ 30 ሚእታዊት ናይቲ ስራሕ ተወዲኡ እኳ እንተኾነ፣ ብወገን ጂቡቲ ዝኾነ ነገር ከምዘይተጀመረ ኣመልኪቶም።
ኢትዮጵያ ን15 ዓመት ወደብ ጂቡቲ ጥራይ ክትጥቀም ኣለዋ ዝብል ጠለብ ብወገን ጂቡቲ ዝቐርብ ዘሎ፣ ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ምሉእ ብምሉእ ክትግልገለሉ እያ ኣብ ዝበሃል ዘሎ እዋን ብምዃኑ፣ ክሳራኣ ንምቕናስ ዝዓለመ’ዩ ዝብል ትንተናታት ይወሃቦ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0