ምርጫ ኬንያ መዓልታት ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሓላፊ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ተቐቲሉ

ምርጫ ኬንያ መዓልታት ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሓላፊ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ተቐቲሉ

Radio Erena: 04 August 2017

kenya

ምርጫ ኬንያ ኣርባዕተ መዓልታት ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ብዘይተፈልጡ ሰባት ተቐቲሉ።

እዚ ክሪስ ምሳንዶ ዝተባህለ በዓል ስልጣን ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ፣ ካብ ቀዳም ኣትሒዙ ደሃዩ ተሳኢኑ እኳ እንተጸንሐ፣ ድሒሩ ግና ሬስኡ ካብ ከተማ ናይሮቢ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ተደርብዩ ተረኺቡ።

ፖሊስ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ መርመራ፣ ናይ ማሕነቕቲ ምልክትን ናይ ህራም በሰላታትን ከምዝረኸብሉ ጋዜጣ ዘ ስታር ካብ ናይሮቢ ሓቢራ።

ሞት ምሳንዶ፣ ዝመጽእ ሰሙን 8 ነሓሰ ንዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ኣብ ዓይኒ ጥርጠራ ኣውዲቕዎ ኣሎ።

 

ኣብዚ ዝካየድ ምርጫ ክዕወት ዝልዓለ ተኽእሎ ዘለዎ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፣ ንቕትለት እዚ ሓላፊ ኮሚሽን ምርጫ ኮኒንዎ ኣሎ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኬንያ ኣብ ቅትለት’ዚ በዓል ስልጣን ኮሚሽን ምርጫ ኢድ ክህልዎ ከምዝኽእል ተቓወምቲ ወገናት ይጠቕሱ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0