ምርጫ ትግራይ፣ ነታ ሃገር ናብ ዝኸፈአ ወጥሪ ከየስግራ ስግኣት ከምዘሎ፣ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ገሊጾም

Radio Erena: 13 September 2020

ብረቡዕ 9 መስከረም ዝተኻየደ ዞባዊ ምርጫ ትግራይ፣ ነታ ሃገር ናብ ዝኸፈአ ወጥሪ ከየስግራ ስግኣት ከምዘሎ፣ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ገሊጾም።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ነቲ ምርጫ ዘይቅዋማዊ ብምዃኑ ውጽኢቱ ቅቡል ኣይኮነን ክብል እኳ እንተገለጾ፣ 2.7 ሚልዮን ከድምጽ ካብ ዝተመዝገበ ህዝቢ ትግራይ 98 ሚእታዊት ናብ መድመጺ ነቑጣታት ከምዝወሓዘ እዩ ጸብጻብ ቀሪቡ።

ኣብዚ ኣብ 2,672 መድመጺ ነቑጣታት ዝተኻየደ ምርጫ ንህወሓት ወሲኽካ ሓሙሽተ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ንውድድር ቀሪበን።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ‘ዘይቅዋማዊ’ ኢሉዎ ክነሱ፣ እቲ ምርጫ ምክያዱ፣ ልዕሊ ቅዋም ዝኸይድ ምኽንያት እንተዘይቀሪቡሉ፣ እቲ ዞባዊ መንግስቲ ምስ ፈደራላዊ ሕጊ’ታ ሃገር ይራጸም ስለዘሎ፣ ኣብታ ሃገር ሓድሽ ፖለቲካዊ ወጥሪ ክረአ ጀሚሩ ምህላዉ ከምዘሰከፎም፣ ኣብ ኣካዳሚ ዝነጥፉ ተንተንቲ ንማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ቃሎም ይህቡ ኣለዉ።

ዞባዊ መንግስቲ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን፣ ንሓድሕዶም ምትፍናን ኣቋሪጾም፣ ፍልልያቶም ብዘተ ክፈትሕዎ እንተዘይክኢሎም፣ እዚ 2.7 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ትግራይ ዝተሳተፎ ምርጫ፣ መበገሲ ናይ ካልእ ምትፍናን ከይከውን ስግኣት ሓያሎ ወገናት እዩ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ብዘይ መንነት ዓዲ አቦካ አይክበርን እዩ። 4 years ago

    ዞባዊ እንታይ ክትብሉ ደሊኩም ኢኩም ፀለምቲ ጣልያናዉያን? ትግራይ ዞባ ዘይኮነትስ ስቴት እያ። ዝፍጣር ነገር የለን እንተተፈጠረ ድማ ሰብ ዋና እንዳሃለዉዎ እንታይ ጠራዕራዕ አበለኩም? እንተኪልኩም ከልብኩም እሰሩልና።