ምምሕዳር ዞባ ማእከል ምፍራስ ኣባይቲ ይቕጽሎ ኣሎ

ምምሕዳር ዞባ ማእከል ምፍራስ ኣባይቲ ይቕጽሎ ኣሎ

Radio Erena: 19 February 2015

Tselot

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ጸሎት 105 መንበሪ ኣባይቲ ከምዘፍረሰ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ብ17 ለካቲት ከምዝፈረሰ ዝተገልጸ መንበሪ ኣባይቲ፣ ህዝቢ ብጤሳ ንዝተዓደሎ መሬት ፍርቂ ብጽሑቱ ብምሻጥ ነቲ ፍርቂ ብኻልኦት ከምዝስራሕ ዝገበሮ’ዩ።

ህዝቢ ንዝተዓደሎ ናይ ጤሳ መሬት መንበሪ ኣባይቲ ክሰርሕ ዓቕሚ ስለዝሓጸሮ፣ ገንዘብ ምስዘለዎም ብምሽራኽ፣ ነቲ ፍርቂ እናሸጠ ነቲ ፍርቂ ድማ መንበሪ ኣባይቲ ክሰርሕ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

 

ይኹን’ምበር መንግስቲ ናይ ጤሳ መሬት ክሽየጥ ፍቑድ ኣይኮነን ብዝብል ኣዋጅ፣ ነቶም ድሮ መሬቶም ዝሸጡን ናይ ጤሳ መሬት ዝዓደጉን ስጉምቲ ክውሰደሎም ምዃኑ ብተደጋጋሚ እዋን ከጠንቕቕ ጸኒሑ’ዩ።

ዓርቢ ሓርነት ዝተባህለ ምንቕስቓስ ኣስመራ ካብ ዝርከቡ ምንጭታቱ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ድማ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጸሎት 105 ኣባይቲ ከምዘፍረሰ ከረጋግጽ ክኢሉ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ከባቢታት ጸጸራት- ቤት መኻእን ኣርባዕተ ኣስመራን ብተመሳሳሊ ምኽንያትን ካብ ፍቓድ መንግስትን ካብ ውጥን ከተማ ወጻኢን ተሰሪሑ ንዝተባህለ ሓያሎ ኣባይቲ ከምዝፈረሰ ተቓሊሑ’ዩ።

ምምሕዳር ዞባ ማእከል፣ ኣብ ዳዕሮ ጳውሎስን ካልእ ናይ ጤሳ መሬት ዝተዓደሎ ከባቢታትን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ንዝተሰርሑ መንበሪ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ መደብ ከምዘለዎ’ውን ይጠቅስ።

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝኸበደ ክፋል መነባብሮ ኮይኑ ዘሎ፣ ጉዳይ መንበሪ ኣባይቲ እኳ እንተኾነ መንግስቲ ዝኾነ ቆላሕታ ክገብረሉ ኣይተራእየን።

ነቲ ሽግር መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ብእኩብ ክስራሕ’ዩ ዝበሎ ገዛውቲ’ውን ኣብ ወጺኢ ንዝርከቡ ብዶላር ወይ ኤውሮ ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ ንዘለዎም ደገፍቱን ሰበ ስልጣን ህግደፍን እንተዘይኮይኑ፣ ነቲ ዝበዝሐ ኣብ ጸገም ዝርከብ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣስመራን ከባቢኡን ን 16 ትርብዒት ሜትሮ ስፍሓት ዘለዋ ሓንቲ መንበሪ ገዛ ክሳብ 1000 ናቕፋ’ያ ትካረ ዘላ።

ናይ ዝበዝሐ ሰራሕተኛ መንግስቲ ወርሓዊ እቶት ብማእከላይ ገምጋም 800 ናቕፋ ብምዃኑ፣ ህዝቢ ኣብ መነባብሮ ማዕረ ክንደይ ተጸጊሙ ምህላዉ ንምርዳኡ ኣየጠራጥርን።

========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0