ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ንኣመንቲ ምስልምና ኣብ መስቀል ኣደባባይ ናይ ፍጡር ግዜ ከይገብሩ ድሕሪ ምኽልካሉ፣ ንዝተላዕለ ዕግርግር ይቕሬታ ሓቲቱ

Radio Erena: 10 May 2021

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ጾመ ረሞዳን ዝርከቡ ኣመንቲ ምስልምና፣ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ናይ ፍጡር ግዜ ከይገብሩ ድሕሪ ምኽልካሉ፣ ብሰንበት 09 ግንቦት ንዝተላዕለ ናዕብን ዕግርግር ይቕሬታ ሓቲቱ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሜዳታት ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ስለዝኾኑ፣ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ብማዕረ ክጥቐምሉ መሰለ ኣለዎም ክትብል ምክትል ከንቲባ እታ ከተማ፣ ኣዳነች ኣበቤ፣ ገሊጻ ብምባል ማዕከናት ዜና መንግስቲ ገሊጸን።

ኣመንቲ ምስልምና፣ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ናይ ፍጡር ግዜ ክህልዎም፣ ዒድ ድማ ኣብቲ ሜዳ ክጽንብሉን እኳ እንተሓተቱ፣ በቲ ምምሕዳር ከምዝተኸልከሉ’ዩ ዝግለጽ።

ይኹን’ምበር፣ ብሰንበት ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝተኣኻኸቡ ኣመንቲ ምስልምና፣ ነቲ ምኽልካል ብጥሓስ ናይ ፍጡር ግዜ ኣብ ዘሕልፍሉ ዝነበሩ እዋን፣ ብፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ከምዝተበተኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ነዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ስጉምቲ ዝተቓወሙ ኣመንቲ ምስልምና ድማ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኹናን፣ ‘ጁንታ’ ይሓይሽ እናበሉ ክጭርሑ ተሰሚዑም።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0