ምምሕዳር ትራምፕ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምስግጋር ይምድብ

RADIO ERENA – Monday, 05 May 2025

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት፣ ናብ ርዋንዳ ንምስግጋሮም መዲቡ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ነቲ መደብ ናብ ግብሪ ንምስግጋር፣ ዘተ ድሮ ተጀሚሩ ከምዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ፣ ኦሊቭየ ንዱሁንጊረ ፣ ምስ ቴሌቪዥን ሃገሩ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ኣረጋጊጹ።

ኤርትራ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት፣ ካብ ኣመሪካ ብዘይድልየቶም ንዝስጎጉ ዜጋታተን ክቕበላ ፍቓደኛታት ብዘይምዃነን፣ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊኤን እገዳ ክገብር ከምዝኽእል ዩ ዝንገር።

ኣብ ልዕሊዚ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሑን ናብ ካልእ ሃገር ክሰጋገሩን ዝብልውን ይዝተየሉዩ።

ኣብዚ ዘተ ዚ ብቀዳምነት ዝተሰርዐት ድማ ርዋንዳ ኮይና ኣላ።

ካብ እስራኤልን ሊብያን፣ ተሰጋግሮም ንዝመጽኡዋ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝተቐበለት ርዋንዳ፣ ካብ ብሪጣንያ ንዝስጎጉ ውን ክትቅብል ኣብ ስምምዕ በጺሓ ኔራያ።

እንተኾነ እቲ መደብ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ፣ ብሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ተሰሪዙ።

ርዋንዳ፣ ኣምሳያ ናይቲ ካብ ዝተፍላለያ ሃገራት ተሰጋጊሮም ዝመጽእዋ ስደተኛታት፣ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ክተካዕብያ ትውጥን።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

 

 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0