ሜክሲኮ፣ ደቂንስትዮ፣ “መዓልቲ፣ ብዘይደቂንስትዮ” ዘኪረን

Radio Erena: 12 March 2020

8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት፣ ብዝተፈላለየ ኣገባባት’ያ ተዘኪራ ውዒላ።

ኣብ መብዛሕተን ሃገራት ዓለም፣ ደቂንስትዮ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ መሰል ክህልወን፣ ኣብ ፖለቲካ፣ ቁጠባ፣ ማሕበራዊን ካልእ ጽላታትን ሕብረተሰብ’ውን ብማዕረ ክሳተፋን ብምዝኽካር’ያ ተኸቢራ።

ኣብ ከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ፣ ምስ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልእ ምስኡ ዝተሓሓዝ ኩነታትን ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ኣደራዕ ከብቅዕን ብፖለቲካ፣ እምነትን ካልእ ዝተፈላለየ ምኽንያታትን ብዘይዝኾነ ሕጋዊ ክስን ፍርዲን ተኣሲረን ሃለዋተን ዝጠፍአ ድማ ፍትሒ ክረኽባን ብዝጽውዕ ኣገባብ ኣብ ስደት ብዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒን ተጣበቕቲ መሰል ደቂንስትዮን ተዘኪራ።

ኣብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ግና፣ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ፣ ካብዚ ብዝተፈልየ ብጎነጽን ዕግርግርን’ያ ተዘኪራ።

ብፍላይ ኣብ ሜክሲኮ ልዕሊ 80 ሽሕ ደቂንስትዮ፣ ነቲ ኣብ ሃገረን መዓልታዊ ዝፍጸም ቅትለትን ዓመጽን ደቂንስትዮ ንምኹናን ኣብ ዝጸውዐኦ ሰልፊ፣ ብዕግርግር’ዩ ተዛዚሙ።

ብሰንኪ ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ሓይልታት ጸጥታን ዝተኻየደ ጎነጽ ከኣ፣ ልዕሊ 60 ሰባት ቆሲሎም።

እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ግና ኣብታ ብሰንበት 8 መጋቢት ዝተዘከረት ዕለት ጥራይ ኣየብቅዐን።

ንጽባሒቱ፣ ሰኑይ 9 መጋቢት’ውን፣ ዓመጽን ቅትለትን ደቂንስትዮ ከብቅዕ ዝጽውዓ 10ታት ኣሽሓት ደቂንስትዮ፣ ናብ ስራሕ፣ ትምህርቲ ይኹን ካልእ ኣገልግሎታት ካብ ምኻድ ቦኺረን፣ ካብ ገዛ ከይወጽኣ ንኽውዕላ’የን ኣዲመን።

ነታ ዕለት ድማ፣ “መዓልቲ፣ ብዘይ ደቂንስትዮ” ክብላ ሰምየንኣ።

ኣብ ሜክሲኮ፣ መዓልታዊ ኣስታት 10 ደቂንስትዮ ብመጻምድተንን ካልኦትን፣ ግፍዕታትን ዓመጽን ወሪዱወን ከምዝቕተላ ጸብጻባት የመልክቱ።

እታ ሃገር ሓንቲ ካብተን ደቂንስትዮ ንቅትለት ዝተቃልዓላ ሃገራት ዓለም ተባሂላ ምስ ቀዳሞት’ያ ትስራዕ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0