ማእከላይ እዚ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ብምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታትን ኢትዮጵያውያንን ንመሰጋገሪ መንግስቲ ብዝምልከት ዝገበሩዎ ኣኼባ ግቡእ ምላሽ ክህበሉ ምዃኑ ገሊጹ

Radio Erena: 28 November 2021
ኣብ ኢትዮጵያ ቆይሙ ዘሎ ማእከላይ እዚ ወይ ኮማንድ ፖስት፣ ነቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ብምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታትን ኢትዮጵያውያንን ንመሰጋገሪ መንግስቲ ብዝምልከት ዝገበሩዎ ኣኼባ ግቡእ ምላሽ ክህበሉ ምዃኑ ገሊጹ።
ሓያሎ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣምባሳደራትን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ብርሃነ ገብረክርስቶስ ዝርከቦም ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብቲ ብናይ ቪድዮ መራኸቢ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ንክቐውም ዝዝትይ ምንባሩ፣ ኣብቲ ልሒኹ ዝወጸ ሓበሬታ ተመልኪቱ ይርከብ።
ኣብቲ ኣኼባ ኣምባሳደር ኣመሪካ ዶናልድ ያማሞቶ ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘ኣብይ ክሰምዕ ድሉው ኣይኮነን፣ ኦባሳንጆ ከኣ ድሩት ንጥፈታት እዩ ዘካዪድ ዘሎ፣ ስለዚ ኣማራጺታት እንዳወሓዱ’ዮም ዝኸዱ ዘለዉ’ ክብል ገሊጹ።
እቲ ማእከላይ እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ፣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስቲ እንዳሃለወ፣ ብዛዕባ ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ ምዝታይ፣ ከም ፈተነ ዕልዋ ከምዝርእዮ ብምጥቃስ፣ ኣብቲ ኣኼባ ንዝተሳተፉ ግቡእ ግብረ መልሲ ክወሃቦም’ዩ ኢሉ።
ኣብ ተመሳሳሊ መግለጺ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ማዕከናት ዜና፣ ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣመልኪተን ዝኾነ ሓበሬታ ከይፍንዋ ኣጠንቂቑ።
ኣቐድም ኣቢሉ ንኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ‘ዝንቡዕ ሓበሬታ ኣመሓላሊፈን’ ብምባል ክወቅስ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጽባሕ’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ናብ ዓውደ ኲናት ዘሚተ ኣለኹ ዝበለሉ እዋን እዩ ነዚ መጠንቀቕታ ዘመሓላልፍ ዘሎ።
ብ 2 ሕዳር ስልጣን ዝሓዘ ማእከላይ እዚ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትሕቲኡ የእቲዎም ዘሎ ናይ ፈደራልን ክልላትን ሓይልታት ጸጥታ፣ ሓድሽ ወረቐት መንነት እንተዘይብሎም፣ ካብ ስራሕ ደው ክብሉ፣ እንተዘይኮይኑ ግና ኣብ ምኽባር ጸጥታ ተዋፊሮም እንተተረኺቦም፣ ከም ገበነኛታት ክረኣዩ ምዃኖም ኣተሓሳሲቡ።

 

 

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0