ማእከላይ ባሕሪ፣ ልዕሊ 120 ሓተቲ ዑቕባ ዝጸዓና ብውሕዱ ኣርባዕተ ጀላቡ ብምጥሓለን ሓያሎ ሞይቶም

Radio Erena: 25 April 2022

ካብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ተበጊሶም ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ዝሓለኑ ልዕሊ 120 ስደተኛታት ዝጸዓና ብውሕዱ ኣርባዕተ ጀላቡ ከምዝጠሓላ ሰበ ስልጣን ህይወት ኣድሕን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

እተን ጀላቡ፣ ቀዳም 23 ሚያዝያ ከምዝጠሓላ ዝሓበሩ እቶም ሰበ ስልጣን፣ ንክልተ መዓልታት ኣብ ዝቐጸለ ህይወት ናይ ምድሓን ስርሒት፣ ዛጊት ናይ 17 ሰባት ሬሳ ከምዝተረኽበ ገሊጾም።

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ፣ 98 ሓተቲ ዑቕባ ከምዝድሓኑ ዝገለጸ፣ ኣፈኛ ኣኽባሪ ሕጊ ከተማ ስፋክስ፣ እቶም ስደተኛታት ብምሉኦም ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ምንባሮም ኣረጋጊጹ።

ስፋክስ፣ ምስ ናይ ሊብያ ከተማ ትሪፑሊ ተመዓድያ፣ እትርከብ ናይ ቱኒዝያ ወደባዊት ከተማ ኮይና፣ ሓንቲ ካብተን ናብ ማልታ ዝቐረባ፣ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝርከባ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ’ያ።

ብገማግም ባሕሪ ሊብያን ንምስጋር ዘይክኣሉ ሓተቲ ዑቕባ፣ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተመሪሖም፣ ናብ ቱኒዝያ ብምግዓዝ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ስፋክ እናተበገሱ፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክኣትዉ ናይ ዝሕልኑ ሓተቲ ዑቕባ ብዝሒ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ትካላት ስደተኛታት የመልክታ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0