ማስተር ካርድ ፋውንደሽን፣ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ 10 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣበርኪቱ

Radio Erena: 19 April 2020

ማስተር ካርድ ፋውንደሽን ዝተባህለ ትካል፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘጥቅዕ ዘሎ ወራር ኣምበጣ ንምምካት ዝውዕል፣ ናይ 10 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘበርከተ ተገሊጹ።

ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ብ17 ሚያዝያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ናይ 10 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ፣ ኣብ እዋኑ ስለዝተረኽበ ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ገሊጹ።

በዚ ማስተር ካርድ ፋውንደሽን ዘበርከቶ ሓገዝ ተጠቀምቲ ዝኾና ሃገራት፣ ኤርትራ፣ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ሶማልን ዩጋንዳን እየን።

ኣብዘን ሃገራት ከቢድ መጥቃዕቲ ዘውርድ ዘሎ እዚ ብናይ በረኻ ኣምበጣ ዝፍለጥ ወራር፣ ኣብቲ ዞባ ካብ ዝርከብ ህዝቢ ን20 ሚልዮን ድሮ ጥሜት ከውርደሉ ጀሚሩ ከምዘሎ ውድብ መግብ ሕርሻን የመልክት።

ወራር’ዚ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ቀረባ ግዜ ክምከት ስለዘይኮነ፣ ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ዞባ ኬንያ፣ ደቡብ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ድሮ ካልኣይ ወለዶኡ ክጸፍይ ምጅማሩ ከቢድ ሻቕሎት ዝፈጥር ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ነዚ ናይ በረኻ ዕስለ ኣምበጣ ንምምድምሳስ፣ ውድብ መግብን ሕርሻን ናይ 153 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክሓትት እንከሎ፣ ዛጊት 114 ሚልዮን ዶላር እዩ ረኺቡ ዘሎ።

ርእይቶ

WORDPRESS: 0