ማሕበር ሰብ-ሞያ ሱዳን፣ ብው.ሕ.ሃ. ዝቐረበ እማመ ምቛም ናይ መሰጋገሪ ልፍንቲ፣ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 06 February 2022

ማሕበር ሰብ-ሞያ ሱዳን፣ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ እማመ ምቛም ናይ መሰጋገሪ ልፍንቲ፣ ከምዘይቅበሎ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
እቲ ማሕበር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዘካየደ ሓይሊ ክኹንን ዝግብኦ፣ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ባርኾት ምሃቡ ከምዘቖጠዖ ገሊጹ።
ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ከምኡ’ውን ሓይልታት ደሞክራሲ ነቲ እማመ፣ ንወተሃደራዊ ጉጅለ ዝወሓደ ስልጣን ስለዝህብ ተቐቢልናዮ ኣለና ብምባል ምስቲ ሓድሽ ዝቐውም ልፍንቲ ክሰርሑ ምዃኖም ኣፍሊጦም እዮም።
ኣቐድም ኣቢሉ፣ እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተማእከለ ጉጅለ፣ ኣብ ዕለት 3 ለካቲት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ምስ እስላማዊ ኮንግረስ ፓርቲ ዝርከቦም ካልኦት ሓያሎ ካብ ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ዝተፈንጨሉ ኣካላት ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ’ዩ።
እንተኾነ ማሕበር ሰብ-ሞያ ሱዳን፣ ምስ ወተሃደራዊ ጉጅለን ምስቲ ብሓምዳን ዳግሎ ዝምራሕ ምልሻን ብሓባር ክሰርሕስ ይትረፍ፣ ንዘተ እኳ ከምዘይቀረብ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ሱዳን ኣትያቶ ካብ ዘላ ቅልውላው እትወጻሉ እንኮ መንገዲ፣ እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ከብቅዕ፣ ብሲቪላዊ ሓይሊ ዝምራሕ ሓድሽ ቅዋማዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራት ጥራይ ምዃኑ፣ ማሕበር ሰብ-ሞያ ሱዳን ይገልጽ።

=================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0