ማሕበር ሃገራት ዓረብ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራን ጅቡትን ዘትዩ

ማሕበር ሃገራት ዓረብ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራን ጅቡትን ዘትዩ

Radio Erena: 10 March 2015

Arableg

ኣብ ካይሮ ዝተጋብአ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን መፍትሒ ንምርካብ ዘትይሉ።

እቲ ትማሊ ሰሉስ 9 መጋቢት ኣብ ግብጺ ከተማ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ቀዋሚ ቤት ማሕበር ሃገራት ዓረብ ዝተኻየደ መበል 143 ስሩዕ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፣ ኣብ ጉዳያት ኤርትራን ጅቡትን፣ የመን፣ ሊብያ፣ ሶርያን ካልኦት ኣባላት እቲ ማሕበር ኣብ ዝኾና ሃገራት ንዘሎ ኩነታት ገምጊሙ።

እቲ ዋዕላ፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን ድማ፣ ነቲ ገና መዕለቢ ዘይረኸበ ምስሕሓብ ሰላማዊ ፍታሕ ዝናደየሉ ተኽእሎታት ብምልዓል ዘትዩ።

 

እቲ ዋዕላ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ብተወሳኺ፣ ኣብ ጸጥታን ካልእን ዘተኮረ 28 ጉዳያት ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብ ከምዝዘተ’ውን ክረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።

ኤርትራ ኣባል ማሕበር ሃገራት ዓረብ ደኣ ኣይትኹን’ምበር፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ምስህሃብ እትርከብ ጅቡትን ነቲ ናይ ዕርቒ ተበግሶ ዝወሰደት ቀጠርን ኣባላት ናይቲ ማሕበር’የን።

ብቀጠር ዝተወስደ ናይ ዕርቒ ተበግሶ፣ ኣብ ሓሙሽተ ዓመቱ እወታዊ ውጽኢት ክርከቦ ከምዘይክኣለ ፕረዚደንት ጅቡቲ ምስ መጽሔት ዠን ኣፍሪክ ናይ ፈረንሳ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ’ውን ምስ ጅቡቲ ዘሎ ምስሕሓብ ሰለማዊ ፍታሕ ንኸይረክብ፣ ምትእትታው ናይታ ምስ ጅቡቲ ዝወገነት ኢትዮጵያ ጽልዋ ከምዘለዎ ዘመልክት ደብዳቤ ናብ ንግስነት ቀጠር ከምዝልኣኸ ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0