ሚኒስትሪ ዜና ብኣባላት ቦርድ ስርሑ የካይድ

ንኣስታት 10 ዓመታት ወግዓዊ ሚኒስተር ዘይነበሮ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ብኣባላት ቦርድ ናይቲ ሚኒስትርን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን እናተኣልየ ስርሑ ይቕጽል ምህላዉ ተፈሊጡ።

    ግዝያዊ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝሃደመሉ ግዜ፣  መንግስቲ ነቲ ሚኒስትሪ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ወግዓዊ ሚኒስተር ከምዘይረቑሓሉን፣ ሓላፊ ክፍሊ ቴሌቪዥን ኣቶ ኣስመላሽ ኣብርሃ ዝመርሖ ዘሎ ቦርድ ሚኒስትሪ ዜና ምስ ኣቶ የማነ ገብረ መስቀልን ኣቶ የማነ ገብርኣብን ርክባት እናካየደ መምርሒታት ስራሕ ይቕበል ምህላዉ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም።

    ካብ 2000 ዓመት ምህረት ኣትሒዙ ብኣቶ ዘመህረት ዮውሃንስ ብግዝያውነት ዝምራሕ ዝነበረ ሚኒስትሪ ዜና፣ ኣብ መወዳእታ 2002 ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ወግዓዊ ሚኒስተር ኮይኑ እኳ እንተተረቛሓሉ፣ ኣብ ሓጺር እዋን  እቲ ሚኒስተር ካብ መዝነቱ ተኣልዩ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ብግዝያውነት ክመርሖ ከምእተወሰነ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ንኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

    ከም ግዝያዊ ሚኒስተር ዜና ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ፣ ካብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ 2012 ከምዝሃደመ ድሕሪ ምርግጋጹ’ውን እቲ ሚኒስትሪ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ብዘይዝኾነ ወግዓዊ ሚኒስተር እዩ ዝቕጽል ዘሎ።

    ብፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ፣ ዝኾነ ሚኒስትሪ ብዘይ ሚኒስተር ንዓመታት ክጽንሕ ልሙድ ተርእዮ ምዃኑ ሰነዳት ይምስክሩ።

    ድሕሪ ሞት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ፣ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝኣክል ብዘይ ወግዓዊ ሚኒስተር ከምዝጸንሐ ናይ ቀረባ ኣብነት’ዩ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ኣብ ነሓሰ 2005 ብሃንደበት ድሕሪ ምዕራፉ፣ እቲ ሚኒስትሪ ብዘይ ወግዓዊ ሚኒስተር ንኣስታት ክልተ ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሚያዝያ 2007’ዩ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ዝተመዘዘ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0