ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሜድያን ውልቀ ሰባትን ክሲ ክምስርት እዩ

Radio Erena: 09 July 2019

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ገለ ውልቀሰባትን ትካላት ሜድያን ክሲ ክምስርት ሙዃኑ ተገሊጹ።
ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል መጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ብ7 ሓምለ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ ህዝብን ሰራዊትን ቅርሕንቲ ክፍጠር ንዝጎስጎሱን፣ ሓቅነት ዘይብሉ ሓበሬታ ከመሓላልፉ ንዝጸንሑን ትካላት ሜድያን ውልቀሰባትን ወግዓዊ ክሲ ክምስርተሎም ምድላዉ ወዲኡ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
እቲ መጀር ጀነራል ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ቀንዲ ዕላማ ሰራዊት እታ ሃገር ስርዓተ ሕጊ ምኽባር ሙዃኑ ሓቢሩ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ፈተነ ዕልዋን ቅትለት ላዕለዎት ሰበስልጣናትን ንዝተፈጥረ ኩነታት ኣብ ምርግጋእ ዕዙዝ ተራ ምጽዋቱ ዘዘኻኸረ መጀር ጀነራል መሓመድ፣ ኣብቲ ፍጻሜ ኢድ ንዝነበሮም ኣብ ምቕራም እውን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ከምዝሰርሐ ኣመልኪቱ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ነዞም ስም ሰራዊት ንምጥፋእን ምስ ህዝቢ ንኽቀሓሓር ዝጎስጎሱን ዝበሎም ትካላት ሜድያን ውልቀሰባትን ንምኽሳስ እኹል መርትዖታት ኣኪቡ ከምዘሎ ይገልጽ። እንተኾነ እቶም ክኽሰሱ ተባሂሎም ዘለዉ ንመንነቶም ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0