ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ናብ ሱዳን ኣምሪሑ

Radio Erena: 21 April 2017

Egy FM

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሾክሪ ናብ ሱዳን ኣምሪሑ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሾክሪ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ኣቶ ወርቅነ ገበየሁ ኣብ ከተማ ካይሮ ድሕሪ ምርኻብ’ዩ ብኡ ንብኡ ናብ ካርቱም ኣምሪሑ።

ንሱ ኣብ ናይ ካርቱም ዑደቱ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶርን ብምርኻብ ኣብ ህሉው ዝምድና ክልትኤን ሃገራት ክዘራረብ’ዩ።

ዝምድና ግብጽን ሱዳንን ብጉዳይ ዋንነት ሓላይብን ኣጠቓቕማ ናይልን ሻሕኪሩ ይርከብ።

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዘለዎ ቁጠዐ ንምግላጽ፣ ናብ ሃገሩ ንዝገሹ ዜጋታት ግብጺ መእተዊ ቪዛ ክሓቱ ዘገድድ ሓድሽ ኣዋጅ ኣመሓላሊፉ።

ብዘይካ’ዚ መንግስቲ ሱዳን፣ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ምስ ግብጺ ሻሕኪሩ ዘሎ ዝምድንኡ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምትእስሳር ከተደልድል’ያ ወሲና።

ዕላማ ዑደት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ናብ ካርቱም፣ ነዚ ሻሕኪሩ ዘሎ ዝምድና ክልትኤን ሃገራት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0