ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ከካይድ’ዩ

Radio Erena: 03 January 2022

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ዋንግ ዪ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ቻይና ናብ ካብ ጽባሕ 4 ጥሪ ጀሚሩ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ክበጽሕ ምዃኑ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር፣ ካብ 4 ክሳብ 7 ጥሪ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኬንያን ኮሞሮስ ዘካይዶ ዑደት፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዓመታዊ ኣብ ሓደሽ ዓመት ዝካየድ፣ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ምብጻሕ ልምዲ’ዩ።

ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ንግድን ወፍሪን ዘለዋ ምትእስስሳር፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እተዕቢ ዘላ ቻይና፣ ‘ራኢ 2035’ ዝተሰምየ ኣብ ትሽዓተ ጽላታት ዘተኮረ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ሰሪዓ ከምዘላ’ያ ትገልጽ።

እቶም ጽላታት፣ ኣብ ጥዕና፣ ምንካይ ድኽነት፣ ዲጂታላዊ ምህዞ፣ ሓምላይ ምዕባለ፣ ምዕባይ ዓቕሚ ሰብ፣ ምትብባዕ ሓረስቶት፣ ንግዲ፣ ወፍሪ፣ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝብን ምውሓስ ሰላምን ጸጥታን ዘጠቓለሉ’ዮም።

ቻይና፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ኣብ ህንጻን ጸዓትን ዘተኮረ ገዚፍ ወፍርታት ተካይድ እኳ እንተላ፣ ነዘን ሃገራት ናብ ከቢድ ዕዳ ትሸምም ምህላዋ ተንተንቲ ስግኣቶም ይገልጹ።

እዛ ሃገር ብዘይካ’ቲ ኣብ ቁጠባ ዘተኮረ ጠመተ ናብ ኣፍሪቃ፣ ረብሓታታ ንምውሓስ’ውን ወትሃደራዊ ምስፍሕፋሕ ተካይድ ከምዘላ ይፍለጥ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0