ሚኒስተር ምክልኻል ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ጃፓን፣ ናብ ጂቡቲ በጺሑ

Radio Erena: 30 December 2019

ብሚኒስተር ምክልኻል ታሮ ኮኖ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ጃፓን፣ ኣብ ጂቡቲ ዓስኪሩ ንዝርከብ ሰራዊት ሃገሩ በጺሑ።

እቲ ሚኒስተር፣ ክሳብ ቀዳም 28 ሕዳር ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ጃፓን ተዋፊሩ ንዝርከብ ሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ዘጠቓለለ ኣሃዱ ምብጻሑ ቤት ጽሕፈቱ ኣረጋጊጹ።

እቲ ኣብ ጂቡቲ ዝርከብ ሰራዊት ጃፓን፣ ናይ ንግዲ መራኽብ ሃገሩ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ገማግም ወሽመጥ ዓደንን ከጋጥመን ካብ ዝኽእል ሓደጋ ሸፋቱ ባሕርን ተጻብኦታትን ንምክልኻል ዝዓለመ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ይሕብር።

ጃፓን ኣሰር ቻይና ስዒባ ኣብ ጅቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም ንዘቕረበቶ እማመ፣ ምሉእ ደገፍ ካቢኒ ሚኒስተራት ድሕሪ ምርካቡ፣ እታ ሃገር ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ሰራዊታ ከምዝተዋፈረት ይዝከር።

ኣምሳያ ናይቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ብክራይ ዝሓዘቶ ወትሃደራዊ መዓስከር ድማ ንመንግስቲ ጂቡቲ ፊናንስያውይን ወትሃደራውን ደገፋት ትገብረሉ ከምዘላ ይግለጽ።

ሚኒስተር ታሮ ኮኖ፣ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝጸንሓለ ብዘይካ’ቲ ብ ወትሃደራዊ መዓስከር ሃገርይ ምብጽሑ፣ ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለን ጂቡታዊ መዘንኡ ሓሰን ዑመር መሓመድቡርሃንን ብምርኻብ፣ ኣብ ጸጥታ ገማግም ባሕሪን ምስ ጂቡቲ ዘሎ ምትሕግጋዝን ብዝምልክተ ተመያይጡ’ዩ።

===============

ርእይቶ

WORDPRESS: 0