ሚኒስተር ምክልኻል ትመርሖ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢጣልያ ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ይበጽሕ

ሚኒስተር ምክልኻል ትመርሖ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢጣልያ ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ይበጽሕ

ብሚኒስተር ምክልኻል ኢጣልያ፣ ኤሊዛቤታ ቴራንታ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢጣልያ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምብጻሕ የካይድ ከምዘሎ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ነቲ ልኡኽ ዝመርሐት ሚኒስተር ኤሊዛቤታ፣ ምስ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ሓሰን መሓመድ ዓሊ ብምርኻብ፣ ኣብ ወትሃደራውያን ጸጥታውን ምትሕግጋዝ ብምትኳር ተመያይጣ።

ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢጣልያ ናብ ሶማል ክበጽሕ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት እዚ ንፈለማ እዋን’ዩ።

እቲ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍን ካልኦት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝሓቖፈ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢጣልያ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ፣ ምስ ሚኒስተር ምክልኻልን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍን ብምርኻብ ኣብ ተመሳሳሊ ኣጀንዳታት ከምዝተዘራረበ ተሓቢሩ።

ብ8 ሚያዝያ፣ ናይ ሶማልያ ዑደቱ ዝዛዘመ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢጣልያ፣ ብ9 ሚያዝያ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

እቲ ልኡኽ ናብ ጅቡቲን ኤርትራን’ውን ክበጽሕ መደብ ከምዘለዎ ይግለጽ።

ኢጣልያ፣ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝዝርጋሕ መንገዲ ባቡር ኣብ ምህናጽ ክትተሓጋገዝ ድልውቲ ከምዘላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ኢጣልያ ዑደቱ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ፣ ናብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝበጽሓሉ’ውን፣ ምስዘን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ክተሓጋገዝ ምዃኑ ኣሚቱ’ዩ።

ኢጣልያ፣ ብዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራ ናይ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተማርር ከምዘላ ይፍልጥ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0