ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ጃፓንን ተራኺቦም

Radio Erena: 30 August 2022

ሻሙናይ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ንልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ጃፓንን ተራኺቦም።

ኣብቲ ብዕለት 28 ነሓሰ ዝተኻየደ ርክብ ክልቲኦም ሚኒስተራት፣ ጃፓን፣ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተኻየደ ወራር ራሻ ተቓውሞኻ ምግላጽ፣ ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ኣገዳሲ’ዩ ኢላ ከምእትኣምን ሃያሺ ዮሺማሳ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጃፓን፣ ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ራሻ ደው ምባላ’ኳ ብግልጺ እንተዘይተቓወሞ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጃፓንን ዝህሉ ናይ ልምዓትን ምትሕግጋዝን መደባት ንምስላጥ፣ ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ዘለወን መርገጺ ከመሳሰል ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ሚኒስተር ሃያሺ ብተወሳኺ፣ ጃፓን፣ ምስ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ልምዓት መደባት ብምትሕብባር ኣብ እትሰርሓሉ እዋን፣ ግሉጽን ተሓታትነት ዘለዎን ኣሰራርሓ ከምዘገድሳ ጠቒሱ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ጃፓን ንልምዓት ኣፍሪቃ ዝውዕል ናይ 30 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ኣብዚ ዝቕጽል ሰለስተ ዓመታት ክትልግስ ምዃና ኣፍሊጣ።

እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ቱኒዝያ ዝተኻየደ ‘ዋዕላ ቶክዮ ንምዕባለ ኣፍሪቃ’፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ወንበር ክህልወን፣ ሃገሩ ከይተሓለለት ክትሰርሕ ምዃና ቃል ኣትዩ።

ኣፍሪቃ ርእሳ ክኢላ ሽግራታ ባዕላ ንኽትፈትሕ መታን፣ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ዝህልዋ ኣባልነት፣ ኣገዳሲ ምዃኑ፣ እቲ ጃፓናዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣመልኪቱ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0