ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሱዳንን ፈረንሳን፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተመያይጦም

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሱዳንን ፈረንሳን፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተመያይጦም

Radio Erena: 22 November 2018

france and sudan FMብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣል ዲርዲር መሓመድ ኣሕመድ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ፈረንሳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ሚኒስተር ምስ ፈረንሳዊ መዘንኡ፣ ዣን ኢቭ ለ ድሪያ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ብዛዕባ፣ ሓድሽ መድረኽ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምኡ ድማ ኩነታት ደቡብ ሱዳንን ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን ብዝርዝር ተዘራሪቦም።

ኣብቲ ብ20 ሕዳር ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ርክብ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሱዳንን ዝተጀመሩ ስምምዓት ሰላምን ብዝምልከት’ውን ተመያይጦም።

ኣቐዲሙ፣ መብዛሕትኦም ተቓወምቲ ሱዳን ዝተሳተፍዎ ዘተ ሱዳን ኣብ ፓሪስ ምክያዱ ኣይርሳዕን።

ኣብዚ ሳልስቲ ዝተኻየደ ርክብ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጽኢ ሱዳንን ፈረንሳን ግና ብኣውርኡ ኣብ ዝተጎሃሃረ ግጭታት ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ዘድሃበ ምንባሩ ዝሓበሩ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ብወገኖም፣ ክልትኤን ሃገራት ነቲ ግጭት ንምህዳእ ብሓባር ክሰርሓ ኣብ ዘኽእለን ነጥበታት ከምዝዘተያ ኣነጺሮም።

ሱዳን፣ ኣብ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ንዝካየድ ዘሎ ግጭታት ንምርግጋእ ንዘቕረበቶ እማመ፣ ደገፍ መንግስቲ ፈረንሳ ክትሓትት ጸኒሓ’ያ።

ኣብ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ተጓሃሂሩ ዘሎ ግጭታት፣ ካልኦት ሃገራት ኢደን ከይሕውሳሉ ፈረንሳ ተጠንቕቕ።

ይኹን’ምበር ፈረንሳ’ውን ንገዛእ ርእሳለ ምእንቲ ሃገራዊ ረብሓታታ፣ ንኩነታት እታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብርትዓዊ መንገዲ ከምዘይትሕዞ ሩስያ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ይወቕሳ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0