ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ኢጋድ ኣብ ሞቛድሾ ታሪኻዊ ዋዕላ ኣካይዶም

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ኢጋድ ኣብ ሞቛድሾ ታሪኻዊ ዋዕላ ኣካይዶም

Radio Erena: 14 January 2015

IgMi

ብዘይካ ናይ ኤርትራ ናይ ኩለን ኣባላታ ሃገራት ኢጋድ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማል ታሪኻዊ ርክብ ኣካይዶም።

እቲ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማልያ፣ ኡጋንዳን ኬንያን ኣብ ሞቛድሾ ብ12 ጥሪ ዘካየድዎ ርክብ ኣብ ሓፈሻዊ ህሉው ኩነታት እታ ሃገር ኣብ ፖለቲከውን ጸጥታውን መዳይ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለን ንምዝርራብ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን እቶም ሚኒስተራት ኣብ መስርሕ ናይቲ ኣብ 2016 ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ምርጫን ጸጥታዊ ጎድኑን ዘተኮረ ዝርርብ ምክያዶንም ካብ ሞቛድሾ ዝተመሓላለፈ ዜና የረድእ።

 

ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ነቶም ሚኒስተራት እንቛዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል፣ ኢጋድ ነዚ ዘተ ንምክያድ ከተማ ሞቛድሾ ምምራጹ ኣመስጊኑ።

ከምዚ ዓይነት ርክብ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ክካየድ ድሕሪ 25 ዓመት ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ 22 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ከምኡ ድማ ሰራዊት ኢትዮጵን ኬንያን ኣብታ ሃገር ሃገር ተዛማዲ ጸጥታኣ ከውሕሱ እኳ እንተኸኣሉ፣ እቲ ዝዓበየ ስግኣት ናይዚ ዞባ ኮይኑ ዝጸንሐ ኣልሸባብ፣ ሕጂ’ውን ገና ስግኣት ይፈጥር ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኮነን።

መራሕትን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ ጉዳይ ሶማልን ሱዳንን ተደጋጋሚ ዘተን ርክባትን ከካይዱ እንከለዉ፣ እቲ ኣብ 2011 ናብቲ ዞባዊ ውድብ ክምለስ ዝሓተተ መንግስቲ ኤርትራ ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ተነጺሉ’ዩ ዘሎ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0