ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፣ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ ዞባዊ ጸጥታዊ ጉዳያት ንምምኽኻር ዝዓለመ ዋዕላ ኣካይዶም

Radio Erena: 02 February 2022

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ ዞባዊ ጸጥታዊ ጉዳያት ንምምኽኻር ዝዓለመ ዋዕላ፣ ኣብ ኩዌት ኣካይዶም።

ኣብቲ ብ30 ጥሪ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ እቶም ሚኒስተራት፣ ሑቲ፣ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዘካየዶ ናይ ድሮንን ሚሳይላትን መጥቃዕቲ ኮኒኖም።

እቶም ሚኒስተራት ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት ብዛዕባ ክህልዉ ዝግብኦም ምትሕግጋዝ ብዝምልከት ከምዝተዘራረቡ ማዕከናት ዜና ወሽመጥ ኣቃሊሐን።

ኣብ 1945 ኣብ ግብጺ ከተማ ካይሮ ዝተመስረተ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ 22 ኣባላት ሃገራት ዝሓቖፈ’ዩ።

ጂቡቲ፣ ሶማልን ሱዳንን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብ ክኾና እንከለዋ፣ የመን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ግብጽን ዮርዳኖስን ድማ ኣብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ኣባላት ናይዚ ማሕበር’የን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0