‘መ. ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕን ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን፣ ብዘይወላሓንቲ ለውጢ ከምዘለዎ ይቕጽል ኣሎ’ ቆንስል ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ.

Radio Erena: 06 March 2022
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕን ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን፣ ብዘይወላሓንቲ ለውጢ ከምዘለዎ ይቕጽል ኣሎ ክብል ቆንስል ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።እቲ ቆንስል ብዓርቢ 4 መጋቢት፣ መበል 49 ስሩዕ ዋዕላኡ ኣብ ዘካየየደሉ እዋን’ዩ ንኩነታት ኤርትራን ስሪላንካን ብዝምልከት ዘትዩ።
ፍሉይ ልኡኽ ቆንስል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ መሓመድ ዓብዱልሰላም ባቢከር ኣብ ዘቕረቦ ኣፈናዊ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምእሳር ውልቀሰባት ብዘይ ክስን መስርሕ ፍርድን፣ ምስዋር፣ ንእሱራት ንሰብኣዊ ክብሪ ብዝትንክፍ ኣተሓሕዛ ምቕጻዕ ዝርከቦም ግፍዕታት ብሰፊሑ የካይድ ከምዘሎ ኣቃሊዑ።
ንሱ ብተወሳኺ፣ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ሓደ ካብቲ ቀንዲ መሳርሒታት ምግሃስ መሰላት ኮይኑ’ሎ ኢሉ። ግዱድ ናይ ጉልበት ስራሕ፣ ከቢድ መቕጻዕቲ፣ ጾታዊ ዓመጽ ዝኣመሰሉ ገበናት ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጠርኒፎም ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ መንእሰያት ዝውቱር ምዃኑ ኣብሪሁ።
ቆንስል ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ጸቕጢ ክገብር፣ ኣብ ኤርትራ ግቡእ መስርሕ ፍርዲ ክካየድን ስርዓተ ሕጊ ክሰፍንን ከኣ፣ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኤርትራ ዘተኮረ ጸቕጥታት ክግበር ጸዊዑ።
መንግስቲ ኤርትራ፣ ከም ወትሩ፣ ንኩሉ’ቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፣ ፖለቲካዊ ድፍኢት ኣለዎ ብምባል ከምዘይቅበሎ ብመንገዲ ወኪሉ ኣቢሉ ኣብቲ ዋዕላ ኣፍሊጡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0