መ.ኤርትራ ምእሳር ኣመንቲ ይቕጽሎ’ሎ

መንግስቲ ኤርትራ ኣመንቲ ዝተፈላለዩ እምነታት ምቕያድ ይቕጽሎ ምህላዉ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰል እምነት ደቂ ሰብ ኣተሓሳሲቦም።
ዎርዚ ኒውስ ንኦፐን ዶርስ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣስታት 85 ኣመንቲ ጴንጠቆስጣል ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣፍሊጡ።

    ብ27 ለካቲት’ውን ደቂተባዕትዮን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም 45 ተከተልቲ ተመሳሳሊ እምነት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፣ ኣብዘን ዝሓለፈ 10 መዓልታት ጥራይ ብጠቕላላ ኣስታት 125 ኣመንቲ ከምእተኣስሩ ኣመልኪቱ።

    እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፣ መብዛሕቶም እቶም ዝተኣስሩ ኣብ ባረንቱ ናይ እትርከብ ቤተክርስትያን ጴንጠቆስጣል ኣባላት ምዃኖም ብምግላጽ ከካብ መንበሪ ገዝኦም ስርሖም ገሊኦም ድማ ካብ ናይ ጸሎት ቦትኦም ከምእተወስዱ’ዩ የረድእ።

    ኣብ ከባቢ ባረንቱ ኣብ ዝርከብ ቤት ምእሰርቲ ተቐይዶም ምህላዎም’ውን የነጽር።

    መንግስቲ ኤርትራ ብዘይካ እምነታት ኦርቶዶክሳዊት፣ ዌንጌላዊትን፣ ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስትያን ከምኡ ድማ ሱና ምስልምናን ካልእ ዓይነት እምነታት ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል ከምዝኸልከሎ ዝፍለጥ’ዩ።
ብሰንኩ ድማ ተኸተልቲ ዝተፈላለየ ዓይነት እምነታት ከም ጅሆቫ፣ ጴንጤቖስጣል፣ ዋሃባውያን በብግዜኡ ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣቱ ይፍለጥ።

    ኤርትራ መሰል እምነት ደቂ ሰብ ካብ ዘይኽብራ ሃገራት ምስተን ቀዳሞት’ያ እትጥቐስ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0