መ. ኤርትራ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ዘኽብረሉ ደረጃ ክሰጋገር፣ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዓ

መ. ኤርትራ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ዘኽብረሉ ደረጃ ክሰጋገር፣ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዓ

Radio Erena: 20 September 2018

Shiela      ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ ‘ኣይሰላም-ኣይኲናት’ ሃዋሁ ስለዘብቀዐ፣ መንግስቲ ኤርትራ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ዘኽብረሉ ደረጃ ክሰጋገር፣ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ።

      ሸይላ ኪታሩዝ ኣብ መግለጺኣ፣ ምእሳር ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ጋዜጠኛታትን 17 ዓመታት ኣቑጺሩሉ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ መንግስቲ ኤርትራ ገና ዜጋታቱ ምእሳር ይቕጽሎ ምህላዉ ከምዘተሓሳሰባ ትገልጽ።

 

      መንግስቲ ኤርትራ፣ ናጻን ደሞክራስያዊን ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ብርቱዕ ስራሕ ይጽበዮ ከምዘሎ ዝገለጸት ሸይላ ኪታሩዝ፣ ቤተሰብ ናይ’ቶም ኣብ ማእሰርቲ እንከለዉ ዝተሰወሩ መቕርቦም ደሃይ ክንገሮም፣ እሱራት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ወይከኣ ብዘይቅድመ ኩነት ክፍትሑ፣ እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም መሰረት ምህናጽ ሃገራዊ ስርዓተ ሕጊ ክኸውን፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ን18 ኣዋርሕ ጥራይ ክኸውንን እቶም ንዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሑ ከኣ ክፋነዉን፣ ዝብሉ ጠለባት ኣቕሪባ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0