መ.ኤርትራ፣ ረዲኤት ናውቲ ሕክምና ይሕሰም

Radio Erena: 05 April 2020

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምቁጽጻር ዓለም ለኻዊ ጻዕሪ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ቻይናዊ ቢልዮነር ዝተለገሰሉ ሓገዝ ከምዝተሓሰመ ተገሊጹ።
ኣቐድም ኣቢሉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ እቲ ብቻይናዊ ቢልዮነር ጃክ ማ ዝተላእከ ሓገዝ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝተላእከ እዩ ጠቒሱ ኔሩ።
እንተኾነ ነቲ ሓገዝ ኣብ ምስላጥ ዝተንቀሳቐሱ ኣባላት ኣፍሪቃዊ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማም፣ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፣ እቲ ሓገዝ ናብ ኤርትራ ተላኢኹ እኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ከምዘይተቐበሎ ሓቢሮም።
ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣባል’ቲ ማእከል ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እታ ናይ ሕክምና መሳርሒታት ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ብዕለት 23 መጋቢት ብሱዳን ኣቢላ ኣስመራ ክትዓርፍ መደብ’ኳ እንተነበረ፣ መንግስቲ ኤርትራ ፍቓድ ስለዘይሃባ ብጂቡቲን ኬንያን ኣቢላ ናብ ዝተበገሰትሉ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተመልሰት ሓቢሩ።
ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዳኒኤላ ክራቨዝ ብወገና፣ ብዛዕባ’ዚ ብጃክ ማ ዝተለገሰ ናውቲ ሕክምና ናብ ዝርዝር ካብ ምእታው እኳ እንተተቖጠበት፣ ኤርትራ ንሓገዝ መዓጹኣ ከተርሑ ጻውዒት ኣቕሪባ።
ንሳ ኣብ መግለጺኣ፣ ነዚ ንመላእ ዓለም ኣዋጢሩ ዘሎ ለበዳ ንምምካት ኤርትራ ሓገዝ ስለዘድልያ፣ ከም ኩለን ሃገራት ብምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ክትገጥሞ ተላብያ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ካብ ዝርከቡ ዜጋታት ናይ ገንዘብ ሓገዝ ይሓትት እኳ እንተሎ፣ ትካላት ሕክምና ዝዓጹ፣ ኣገልግሎታት ማይን ኤለክትሪክን ዝሕርም፣ በቲ ዝወሓደ መዐቀኒ እኳ ብሰንኪ’ዚ ለበዳ እሱራት ክፈትሕ ዘይከኣለ መንግስቲ፣ ንፖለቲካዊ ሃልኪ እምበር ናይ ሓቂ ሓልዮት ህዝቢ ሃልዩዎ ኣይኮነን ክብሉ ሓያሎ ተጣበቕቲ መሰላት ተቓውሞታቶም ይገልጹ።

መንግስቲ ኤርትራ እሱራት ክፈትሕ ጻውዒት ቀሪቡ

ብኻልእ ወገን፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብዝሒ ቤት ማእሰርታትን፣ ጻዕቂ እሱራትን ንለበዳ ኮሮና ቫይረስ ምቹእ ስለዝኸውን፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ እሱራት ክፈትሕ ኣህጉራዊ ትካል ኣምነስቲ ጸዊዑ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብዓርቢ 03 ሚያዝያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላት፣ መግስቲ ኤርትራ እሱራት ክፈትሕ፣ ከቕርብዎ ዝጸንሑ ጻውዒት ምሉእ ብምሉእ ከምዝድግፎ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ቤት ማእሰርታት፣ ምስቲ ዘለዎ ናይ ንጽህና ሕጽረታትን ብዝሒ እሱራትን፣ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንከስፋፍሕ ስለዝዕድም፣ ብፍላይ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት፣ ብዘይቅድመ ኩነት ናጻ ክወጹ ብሓያሎ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ትካላት ግብረሰናይ ጻውዒት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብ ኤርትራ፣ እዚ ዜና ናብ ስቱድዮ ክሳብ ዝኣተወሉ ሰዓት፣ ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ናብ 29 ደዪቡ ኣሎ። እቶም ተለኺፎም ዘለዉ ሰባት ኣብ ክሊ ዕድመ 21 ክሳብ 69 ዝርከቡ ምዃኖም ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0