መ.ኢትዮጵያ፣ ተወላዶ ትግራይ ብኣልማማ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ደው ከብል ዝጽውዕ ጥርዓን ቀሪቡ

Radio Erena: 18 July 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ንዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ ብኣልማማ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ደው ከብል ዝጽውዕ ጥርዓናት፣ ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት ይቐርብ ኣሎ።
ሓይልታት ትግራይ ብፍላይ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፣ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ነቑጣታት ፖሊስ፣ ብተወላዶ ትግራይ ተጎቢኡ ከምዘሎ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ።
እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ፣ ዛጊት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም ናይ ዘለዉ ሰባት ቁጽሪ ብልክዕ ክፍለጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ካብ ዝገብሮ ምኽንያታት ሓደ፣ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ዝተወስዱ ምህላዎም እዩ ኢሉ።
ኮሚሽነር ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው፣ ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ተወላዶ ትግራይ፣ ምስ ህወሓት ርክብ ከምዘለዎም ዝተጠርጠሩ እዮም ኢሉ።
‘323 ሰባት ብዝተፈላለየ መንገዲ ንህወሓት ክድግፉ ዝጸንሑ ተኣሲሮም ኣለዉ’ ዝብል እቲ ኮሚሽነር ፖሊስ፣ ንባንዴራን ንሰራዊት ፈደራልን ዘናሸዉ፣ ብረት ዝሓዙ’ውን ከምዝርከብዎም ገሊጹ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ እቲ ግፋ ብኣልማማ ንተዛረብቲ ትግርኛ ምንባሩ ብምግላጽ፣ ቅዩዳት ሕጋዊ ክሲ ክቐርበሎም፣ ወይ ከኣ ብዘይቅድመ ኩነት ናጻ ክወጹ ጸዊዑ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ደሃይ’ቶም ተሰዊሮም ኣለዉ ዝበሃሉ እውን ሃለዋቶም ከፍልጥ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ጸዊዑ።
ብተመሳሳሊ፣ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ብኣማኢት ዝቑጸራ ትካላት ንግዲ፣ ሆቴላት፣ ክለባት ለይታዊ ትልሂት ከምዝዓጸወ ተኣሚኑ።
ቀንዲ ምኽኒያት መዕጸዊ’ዘን ንግዳዊያን ትካላት፣ ንሰራዊት እታ ሃገር ዘቆናጽብ ደርፍታት ተጻዊተን ብዝብል ከምዝኾነ እቲ ምምሕዳር ገሊጹ።
ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ቦሌ፣ የካ፣ ኣራዳ፣ ኣቃቂን ጉሌሌን ዝርከባ ትካላት ንግዲ ቀንዲ ዒላማ’ዚ ምዕሻግ ኮነን ይርከባ። ዝበዝሓ ካብ’ዘን ተዓሺገን ዘለዋ ትካላት ንግዲ ብተወላዶ ትግራይ ዝውነና ምዃነን ይንገር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0