መ. ኢትዮጵያ፣ ‘ምስ ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ዝኾነ ቦታን ግዜን ክንዘራረብ ድሉዋት ኢና’ ምባሉ፣ ኣብ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ዝተሓዋወሰ ስምዒት ፈጢሩ

Radio Erena: 31 July 2022
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ‘ምስ ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ዝኾነ ቦታን ግዜን ክንዘራረብ ድሉዋት ኢና’ ምባሉ፣ ኣብ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ዝተሓዋወሰ ስምዒት ምፍጣሩ፣ ካብታ ሃገር ዝፍኖ ዘሎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣምባሳደር ሪዱዋን ሑሴን ብ28 ሓምለ ንዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቱ ‘ብዘይቅድመ-ኩነት’ ክዘራረብ ድሉው ምህላዉን፣ እቲ ዘተ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምእከል ከምዘለዎን እዩ ገሊጹ።
ክልተ መዓልታት ቅድሚ’ዚ መግለጺ፣ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ዘተ ሰላም ክጅምር እንተኾይኑ መጀመሪያ፣ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፣ ከም ኤለክትሪሲቲ፣ ባንክ፣ ቴሌፎን፣ ናይ ኣየርን መሬትን መጎዓዝያ ዝኣመሰሉ ክኽፈቱ ዝብል ዝርከቦ ቅድመ-ኩነታት ምቕማጡ ይዝከር።
ኣብቲ ኣምባሳደር ሪዱዋን ሑሴን ንወከልቲ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ከምኡ’ውን ኣምባሳደራት ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ኢጣልያን ብሪጣንያን ዝሃቦ መግለጺ፣ ናይ መዛተዪ ቦታን ዕለትን ብዘይምጥቃሱ፣ መሊሱ ንኩነታት ዝሓላልኽ እዩ ክብል ምኽትል ኣቦ ወንበር ውድብ ዓረና ትግራይ ጎይትኦም ጸጋይ ገሊጹ።
ኣቦ ወንበር ፈደራል ኮንግረስ ኦሮሞ ዶክተር መራራ ጉዲና ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ጻውዒት ዘተ ሰላም፣ ንኩሎም ወገናት ዘየሳተፈ ብምዃኑ፣ እንተተኻየደ’ውን ለውጢ ዘምጽእ ኣይኮነን ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተማእከለ ዘተ ሰላም ክዕድም እንከሎ፣ ሓይልታት ትግራይ ከኣ ‘ሕብረት ኣፍሪቃ ጸግዒ መንግስቲ ክሕዝ ተኽእሎ ኣሎ’ ብምባል፣ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ነቲ ዘተ ከማእክል እዮም ዝጠልቡ።
ፕረዚደንት ክልል ትግራይ፣ ‘ፈደራላዊ መንግስቲ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክጅምር ዝተዋህቦ ናይ ግዜ ገደብ ኣለዎ፣ ንሱ እንተዘየተግቢሩ፣ ጉዳይና ብሓይሊ ብረት ክንፈትሖ ኢና’ ብምባል፣ ሓድሽ መጥቃዕቲ ክኽፈት ከምዝኽእል እዩ ገሊጹ።
ንኣስታት ክልተ ሳምንታት ካብ ዓይኒ ሜድያ ተኸዊሉ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ምስ ሓይልታት ትግራይ እትዛተይ ጉጅለ ኣቚሙ ክነሱ፣ ሕጂ ‘ኣብ ዝኾነ ግዜን ቦታን፣ ብዘይቅመ-ኩነት’ ክንዘራረብ ድሉዋት ኢና ዘብሎ ዘሎ ምኽኒያት ብወግዒ ኣይተገልጸን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0