መውዓሊ ህጻናትን ናይ መባእታ ኣብያተ ትምህርትን እስራኤል፣ ኤርትራውያን ቆልዑ ክምዝግባ ቤት ፍርዲ ወሲኑ

Radio Erena: 28 July 2019

መውዓሊ ህጻናትን ናይ መባእታ ኣብያተ ትምህርትን እስራኤል ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን ህጻናት ክምዝግባ ብቤት ፍርዲ ውሳኔ ሓሊፉ።

ቤት ፍርዲ እስራኤል ብረቡዕ 17 ሓምለ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ ኣብ እስራኤል ብፍላይ ድማ ኣብ ፔታህ ቲክቫ ዘለዋ ኣጸድን መባእታን ቤት ትምህርታት ንስደተኛታት ናይ ትምህርቲ ዕድል ክኸፍታ ብትሪ ኣተሓሳሲቡ።

ሓለፍቲ ክፍሊ ትምህርቲ ናይታ ከተማ ኣብቲ መጋባእያ ተረኺቦም እቶም ስደተኛታት ንቕጥዕታት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ፔታህ ቲክቫ ኣየማልኡንዮም ዝብል ሞጎት’ካ እንተኣቕረቡ፤ ቤት ፍርዲ ብዝወሰዶ ውሳኔ ግን ዝኾነ ስደተኛ ድሕረ ባይትኡ ይኹን መንበሪ ወረቀት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረክብ ይግብኦዩ ኢሉ።

ኣብ ፔታህ ቲክቫ 129 ሓተቲ ዑቕባ ህጻናት ኣብ ኣጸደ ህጻናት ክጽምበሩ ውን ውሳኔኡ የሕሊፉ።

እዚ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ዝሓለፈ ብመሰረት እቲ ብ9 ሓምለ ብሃራን ሪችማን ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃይፋ ኣካል ሕጊን ፖሊሲ ትምህርትን ዝኾነ፣ ብምምሕዳራት ከተማ ዝውነና ናይ መባእታን ኣጸደ ቤት ትምህርታትን ኮነ ኢለን ቢሮክራስያዊ ኣሰራርሓ ብምትግባር፣ ሓተቲ ዑቕባ ህጻናት ከይመሃሩ ይኽልክላ ኣለዋ ዝብል ዝቐረበ ክሲ እዩ ።

ስእሊ፣- ካብ ሃረጽ

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0