መንግስታት ካርቱምን ዋሽንግተንን ዝምድንኦም ናብ ንቡር ንምምላስ ዘትዮም

መንግስታት ካርቱምን ዋሽንግተንን ዝምድንኦም ናብ ንቡር ንምምላስ ዘትዮም

Radio Erena: 05 October 2015

US and Su

ሱዳንን ኣመሪካን ተቛሪጹ ዝርከብ ዝምድንአን ንምብርባር ዘተ ኣከይደን።

እቲ ዘተ ኣብ መንጎ ሚኒስተር ጉዳያት ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ጆን ኬርኒን ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።

ሚኒስተር ኢብራሂም ጋንዶር ንመደበር ቴሌቪዥን ኣሽሩቕ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ዕላማ’ቲ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ መበል 70 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ዘተ፣ ዝምድና ክልቲኦም መንግስታት ኣብዚ ቀረባ ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ንድፊ ሓሳባት ንምብራህ’ዩ።

 

ዝምድና ኣመሪካን ሱዳንን ነዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ተበቲኹ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ 1997 ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ካርቱም እገዳ ከምዘንበርት ይዝከር።

ሱዳን ነዚ ኣብ ልዕሊኣ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ንኽልዓል ምስ ኣመሪካ ዝርርብ ካብ እትጅምር ሳልሳይ ዓመቱ ኣቑጽሪ ይርከብ።

ይኹን’ምበር ኣመሪካ፣ ምስ ሱዳን ዘለዋ ዝምድና ናብ ንቡር ክትመልስን፣ ነቲ ኣብ 1997 ዘንበረቶ እገዳ ድማ ከተልዕልን፣ መንግስቲ እታ ሃገር፣ ንጉዳይ ዳርፉር ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍትሑ ተበግሶ ክወስድ ከምዘለዎ’ያ ትጠቕስ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዳርፉር ዘሎ ኩነታት፣ ኣብቲ ዞባ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክሲ ተመስሪትሉ ይርከብ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0