ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ናይ 35 ሚልዮን ዶላር ረዲኤት ለጊሳ

kerryሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብደርቂ ንዝተጠቕዐ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝውዕል ናይ 35 ሚልዮን ዶላር ተወሳኺ ረዲኤት ለጊሳ።

እቲ ረዲኤት ብመንገዲ ዩኤስ.ኤይድ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ’ውን ካልኦት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነጥፋ ዘለዋ ኣህጉራውያን ትካላት ረዲኤት ኣቢሉ ክዋፈር ምዃኑ ተፈሊጡ። እቲ ናይ 35 ሚልዮን ዶላር ረዲኤት ብተወሳኺ፣ ናይ ልዕሊ 6 ሽሕ ሜትሪክ ቶን መኣዛዊ መግብን ካልእ ንጥዕና ጠቓሚ ንዋትን ዘጠቓለለ’ዩ።

 

ብዘይካ’ዚ ኣመሪካ ናይ 138 ሚልዮን ዶላር ባጀት ንደቡብ ሱዳን ለጊሳ። ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ጆን ኬሪ ኣብ ናይሮቢ ድሕሪ ዘካየዶ ዘተ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ’ዩ ነዚ ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዝተለገሰ ሓገዝ ኣፍሊጡ።

እቲ ብዩኤስ. ኤይድ ዝምእከል ሓገዝ፣ 58 ሽሕ ሜትሪክ ቶን መኣዛዊ መግቢ፣ ማይ፣ ናውቲ ጽሬት ከምኡ’ውን ንቀዳማይ ረዲኤት ዘገልግሉ መሳርሒታት የጠቓልል።

2.5 ሚልዮን ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ካብ ቤት ንብረቱ ተመዛቢሉ ከምዘሎ፣ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ካብ ሓፈሻዊ ቁጽሪ ህዝቢ ከኣ ደርቂ ኣንጸላልዩዎ ከምዘሎ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0