መንግስቲ ግብጺ፣ ኣንጻሩ ዝካየድ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዘይጻወር ኣጠንቂቑ

Radio Erena: 11 October 2019

መንግስቲ ግብጺ፣ ኣንጻሩ ዝካየድ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዘይጻወር ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሙስጠፋ ማድቡሊ ኣጠንቂቑ።

ንሱ ኣብ ዘመሓላለፎ መጠንቀቕታ፣ ነታ ሃገር ንምሕማስ ዝካየድ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ ኣካል ናይቲ ግብጺ ንምዝራግ ዝካየድ ኵናት’ዩ ክብል ጠቒስዎ።

ንሱ ነዚ መጠንቀቕታ ዘመሓላለሰ፣ ህዝቢ ግብጺ፣ ኣንጻር ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ዝቐንዐ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምክያድ፣ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታ ውዳበን ምድላዋት የካይድ ምህላዉ፣ ኣብ ዝጥቀሰሉ ዘሎ ግዜ’ዩ።

ኣብ ግብጺ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ፣ ኣንጻር ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ዝቐንዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ክጎሃሃር ጸኒሑ’ዩ።

ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ፣ ምስቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ክኣስሩ እንከለዉ፣ እቲ ናይ ምእሳር ዘመተ ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክት።

ካብቶም ምስ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብዝተሓሓዝ ዝተኣስሩ ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር፣ ኣማኢት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከምዝርከብዎ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0