መንግስቲ ጅቡቲ ኣብ ቀይዲ ዘጽንሖም 267 ኤርትራውያን ናብ (UNHCR) ኣረኪብዎም

መንግስቲ ጅቡቲ ኣብ ቀይዲ ዘጽንሖም 267 ኤርትራውያን ናብ (UNHCR) ኣረኪብዎም

Radio Erena: April 15, 2014

eri Djibou

ጅቡቲ ኣሲራቶም ዝጸንሐት 267 ስደተኛታት ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘረከበቶም ተሓቢሩ።

እቶም 267 ኤርትራውያን፣ ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ ኢኹም ኔርኩም ብዝብል መንግስቲ ጅቡቲ ብዓይኒ ስግኣት ጸጥታ ብምጥማት’ዩ ክሳብ እዚ እዋን እዚ ኣብ ነገድ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ቀይዶም ጸኒሑ።

ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ኤልሳ ጭሩም ከተካየዶ ድሕሪ ዝጸንሀት ጻዕርታትን ኣብ መወዳእታ ድማ ቅልጡፍ ፍታሕ ክረኽቡ ኣብ ጄኔቫ ድሕሪ ዘካየደቶ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማን፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክልቐቑ ምዃኖም ተሓቢሩ’ዩ።

 

ትማሊ ካብ ጅቡቲ ብዝተመሓላለፈ ዜና መሰረት ድማ፣ መንግስቲ ጅቡቲ ንብሙሉኦም እቶም 267 ኤርትራውያን ናብ (UNHCR) ኣረኪብዎም ከምዘሎ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ናጂብ ዓሊ ጣሃ ምርግጋጹ ተገሊጹ።

እቶም ኣብ 2008 ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዝተኻየደ ኵናት ዝተማረኹ 19 ኤርትራውያን ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ቀይዲ ተታሒዞም ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0